ኣብ ዓለምና መሃዚኦም ዘይፍለጥ ግናኸ ኣገልጉሎቶም ኣዝዩ ኣድላይን ኣገዳስን ዝኾኑ ንብረታት ብዙሓት‘ዮም፣ መነጸር ሓንቲ ካብኣቶም‘ያ። እታ ቀዳመይቲ መነጸር ኣብ ሞንጎ 1270-1290 ከም ዝተማህዘት`ዩ ዝእመን ቅርጻ‘ውን ጎብጋብ ዩ ኔሩ (Engl-convex)፣ ኣጎልግሎታ ከኣ ኣብ ርሑቅ ናይ መርኣይ ክእለት ዘለዎም ኣብ ቀረባ ግን ክሪኡ ዘይኽእሉ ሰባት ከም ዝሪኡ ምግባር'ዩ ኔሩ። ኣብ ግዜና‘ውን ተመሳሳሊ ብዙሓት ኣብ ሩሑቅን ቀረባን ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ሰባት ከምዝሪኡ'ያ ትገብር።

ስምንታይ‘ዩም  ግን ገለ ሰባት ኣብ ርሑቅ ወይ ቀረባ ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም፧

መነጸር‘ከ ብኸመይ‘ያ ትሕግዞም፧

ነዚ ንምምላስ ኣፈጣጥራ ደጋውን ውሽጣውን ዓይኒ ምዕዛብ ኣገዳሲ‘ዩ።

ዓይኒ ሰብ ካብ ጻዕዳ ዓይኒ (cornea)፣ጭዋዳ ዓይኒ (iris)፣መነጸር (LENS) ፣ መርዓት ዓይኒ(pupil)፣ ረቲና (retina)፣ ከምኡ‘ውን  ዝራእናዮ ናብ ኣእምሮ ዘመሓላልፍ መትኒ (optic nerve)  ዝቆመት‘ያ። rod ከምኡውን cone cells ዝተባህሉ ኣብ ረቲና ዝርከቡ ዋህዮታት ወይ ተቐበልቲ ብርሃን ድማ ክንርኢ የኽእሉና። cone cells ኣብ ብርሃን ዘለዎ 3 ሕብርታት(ቀይሕ፣ቀጠልያ፣ሰመያዊ፣) ክንፈላሊ  ወይ ክንርኢ ክሕጉዙና ከለዉ rod cells ድማ ኣብ ውሑድ ብርሃን ዝርከበሉ ግዜ ካልእ ይትረፍ ዓራትና ኣበይ ከም ዝርከብ ክንፈልጥ፡ ንምርኣይ ይሕግዙና። ነዚ ዝስዕብ ስእላዊ መብርሂ ረኣዩ///


                                                                                             ምስሊ rod ከምኡውን cone cells

                                                                                               ክፋላት ዓይኒ ሰብ              

ብ ቅልል ዝበለ ኣብነት  መስርሕ ምርኣይ  ነዚ ይመስል ፣ ኣብ ቅድመና ዘለዉ ነገራት ዝዓለቦም ብርሃን ይነጽጉ እዚ ብርሃን ዚ`ውን ን`ዓይንና ይበጽሖ ስዒባ መነጸር ዓይኒ ወይ (Lens)  እቲ ብርሃን ንረቲና ጠሚራ ትሰደላ ስዒቡ  ናብ የእምሮ ይመሓላለፍ  ፣ እቲ ንዓይንና ዝበጽሖ ብርሃን ስለ ዝመሳቀል፣ እቲ ምስሊ ናይቲ ንዕዘቦ ዘለና ነገር  ንመጀመርያ ይግምጠል‘ዩ ። (ኣብዚ ታሕተዋይ ምስሊ  ገረብ ተዓዘብ)!  እወ ትኽክል ኣንቢብካ   "ይግምጠል"ዩ። የእሙሮ`ዩ ኣብ መጠረሽታ ነቲ ምስሊ ዘስተኻኽሎ ፡ ነዚ ንምርዳእ ካብ ሓጺን ዝተሰርሐ መብልዒ-ማንካ ሓዝ! ትበልዓሉ ናባኻ-ገጹ ብምግባር  ከም ምስትያት  ተጠቀመሉ ምስልኻ ብግምጣል ኢካ ትሪኦ፦ መስርሕ ምርኣይ  ውን ከምኡ`ዩ ። ሰባት ናይ ምርኣይ ጸገም እንተ ዘይብሎም እቲ ብመነጸር  ወይ (Lens)  ናይ ዓይኒ  ዝተጠምረ ብርሃን ብጉቡእ ኣብ ረቲና ማለት ዳሕረዋይ ክፋል ዓይኒ እዩ ዝወቅዕ።



ዓይኒ ከምቶም ካልኦት ክፋላት ኣካላትና ይጉብዝ‘ዩ። ዓይኒ ካብ ዝግብኦ እንተ ንኢሱ  ወይ ጻዕዳ ዓይኒ ማለት‘ቲ ቆርበት እንተ ረቂቁ ወይ ድማ  መነጸር (lens) ካብ ዝግብኣ ድሒራ እንተ'ላ፡ ቲ'ብርሃን ካብ ረቲና ይሓልፍ በዚ ምክኽንያት ድማ ሰባት ኣብ ርሑቅ ጽቡቅ ይሪኡ ፡ ኣብ ቀረባ ግን በንጻሩ ከምቲ ዝድለ ኣይርእዩን። እዚ  (hyperopia) ወይ far-sightedness ይብሃል ብ እንግሊዜኛ።ብ ስእላዊ መረድኢ ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል///



ዓይኒ ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ  ምስ ዝዓቢ ወይ ጻዕዳ-ዓይንን መነጸርን ምስ ዝጥወ እቲ ብርሃን ን'ረቲና ብግቡእ ኣይበጽሓን በዚ ምኽንያት ሰባት ኣብ ቀረባ እምበር ኣብ ርሑቅ ምርኣይ የጸግሞም። እዚ (myopia) ወይ short-sightedness ተባሂሉ ይጽዋዕ። ነዚ ንምርዳእ ነዚ ስዕብ ተንቀሳቃሲ ስእሊ ተኸተል///

                             እቲ ካብ ደገ ናብታ ዓይኒ ዝኣቱ ጻዕዳ ነገር፡ ንሪኦም  ነገራት  ዝነጽግዎ ብርሃን`ዩ ።

ስራሕ እኩያለ ወይ መነጸር ነቲ ንረቲና ዝሓለፋ ወይ ዘይበጸሓ ብርሃን ምስትኽኻል ወይ ብጉቡእ ከም ዝበጽሓ ምግባር እዩ። ብሓገዛ ኣብ ርሑቅን ቀረባን ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ሰባት ክሪኡ ይኽእሉ። ነዚ ዝስዕብ ተንቀሳቃሲ-ስእላዊ መግለጺ  ረአ! 

      (እታ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ትመጽእ ጸላም ከም መነጸር እያ ትሕሰብ)


I BUILT MY SITE FOR FREE USING