ጻዓት ሓደ ካብቶም መሰረታውያን ክፋል ናይ ጉኡዛዊ ፍጥረት እዩ። ካብ ምሕሳብ ጀሚሩ ክሳብ ንገብሮም ምንቅስቃሳት ድማ ናቱ መሰረታዊ ተራ ይጻወት።

እቲ ዘገርም ብዛዕባ ጸዓት፡ ሕጊ ምዕቃብ/ዕቃበ ጸዓት ከም ዝብሎ ፍጹም ዘይጠፍእ ወይ ዘይድምሰስ ምዀኑ እዩ። እቲ ሕጊ ምዕቃብ/ዕቃበ ጸዓት( Eng. the law of conservation of energy ) ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡ "ጸዓት ክድምሰስ/ክጠፍእ ይኹን ክፍጠር ኣይክእልን እዩ፡ ካብ ሓደ ኩነት ወይ ዓይነት ጸዓት ናብ ካልእ ግን ክቕየር ይከኣል።" እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኤሌክትሪካዊ ጸዓት ከም ኣብነት ንውሰድ! ኤሌክትሪካዊ ጸዓት ናብ ሙቐት፡ብርሃን፡ምንቅስቃስ ብቐሊሉ ክቅየር ስለ ዝኽእል፡ ሓደ ካብቲ መሰረታውን መዓልታውን ንጥቐመሉ ጸዓት ኮይኑ ይርከብ፡ እዚ ድማ ን ብርሃን ኣብ ግዜ ጸልማት፡ ንሙቀት ኣብ ግዜ ዛሕሊ ወይ በንጻሩ ፡ ንምንቅስቓስ ብመኪና ይኹን ካልእ ናይ ቤት-መሳሪሕታት ስለ ንጥቀመሉ እዩ።

ይነታት ጸዓት


  1. ከሚካላዊ ጸዓት  (Eng. chemical energy)፡ ኣብ ከሚካላዊ ምግጣማት ናይ ዝተፈላለዩ ሳብስታንሳት ዝርከብ ዓይነት ጸዓት እዩ። ንኣብነት ኣብ መግቢ፡ ባተሪ፡ ወ.ዘ.ተ ይርከብ። ከምኡውን ኣብ ምንዳድ፡ እቲ ኣብ ፈሓም ዝርከብ ከሚካላዊ ሓይሊ ናብ ብርሃንን ሙቐትን ይልወጥ።
  2. ምንቅስቃሳዊ ጸዓት (Eng. kinematic energy)፡ ሓደ ነገር ወይ ፍጡር ብሰንኪ ዝገብሮ ምንቅስቃሳት ዝህልዎ ዓይነት ጸዓት እዩ። ንኣብነት ሰብ፡ ወሓዚ ማይ ወ.ዘ.ተ። እዚ ዓይነት ጸዓት ኣብቲ ርዝነትን ፍጥነትን ናይቲ ነገር/ፍጡር ይምርኮስ።
  3. መካኒካዊ ጸዓት (Eng. mechanic energy)፡ ምንቅስቃሳዊ  ከምኡውን ዕቑር ጸዓት  ዘጠቃለለ እዩ። 
  4. ሙቘታዊ ጸዓት(Eng. thermal energy)፡ ኣቶማዊ ምንቅስቃስ ናይ/ኣብ ሓደ ኣካል እዩ። እዚ ንኣብነት መኸሸኒ መግብና ናብቲ ንጥቀመሉ ዘለና ድስቲ  ሙቐት ዘሕልፈሉ መንገድኢ እዩ። 

ናብ ፈላሚ ሕቶና ንመለስ እምበኣር፡ 

መስርሕ ናይቲ ካብ ማይ ዝርከብ ጸዓት ነዚ ዝስዕብ ይመስል እዩ።

                                               ሙሉእ ምስሊ ንምርኣይ ናብ የማንን ጸጋምን ኣንቀሳቅሶ! 

  1. መጀመርያ እቲ ክጥቀመሉ ተሓሲቡ ዘሎ ማይ ክኹመር ኣለዎ፡ ነዚ ንምግባር ሰባት ግድብ ይጥቀሙ። 
  2. ስዒቡ ድማ ነቲ ኩሙር ማይ መሕለፊ ዝኾኖ ክፍቲ ኣሎ። እቲ ክፍቲ ጸቢብ እዩ። መቆጻጸሪ ማዕጾን መንፊትን ድማ ይርከቦ። እቲ መንፊት ወሓዚ ዘምጸኦ ገፈጥ ከምኡ'ውን ማያውያን እንስሳታት በቲ ክፍቲ ከይሓይልፉ ይከላኸል።
  3. እት መቆጻጸሪ ማዕጾ ምስ ተኸፍተ፡ እቲ ዝተፈነዋ ማይ ብብርቱዕ ሓይሊ ምውሓዙ ይቅጽል።
  4. ኣብ መንገዲ ናይቲ ብርቱዕ ማይ፡ ተርባይን ዝተባህለ ተሽከርካሪ ይርከብ፡ እቲ ወሓዚ ማይ ነቲ ተርባይን ብብርቱዕ ሓይሊ ከሽከርክር ይገብሮ።
  5.  እቲ ጀነረተር ድማ ነቲ ምንቅስቃሳዊ ሓይሊ ናይታ ተርባይን ናብ ኤሌትሪካዊ ሓይሊ ይቅይሮ። እቲ ጀነረተር ዝብል ቃል ናይ ላታይን ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ኣይፍራዪ ወይ ቀያሪ ማለት እዩ።

እዚ ዓይነት ምምንጫው ጸዓት ሓደ ካብቶም ተሓደስቲ ምንጭታት ጸዓት  ማለት ሶላር፡ ንፋስ ወ.ዘ.ተ እዩ። በቲ ዓለምለኻዊ ምቅያር ክሊማ ተገዲዶም ድማ ሰባት ፍሉይ ኣድህቦ ክህብዎ ጀሚሮ እዮም። ንኣብነት ካብ ፈሓም ዝርከብ ጸዓት ከወግዱ ድማ ይቃለሱ።


I BUILT MY SITE FOR FREE USING