ምድሪ ንርእሳ ሓንሳእ ኣብ 24 ሰዓት ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ድማ ሓደ ግዜ ንጸሓይ ትዘውር፡ ዓለም ፡ ኣብ ሰጣቂት ምድሪ ኣስታት 1670 ኪ.ሜ ንሰዓት ፍጥነት ኣለዋ፡እተን ልዑል ፍጥነት ዘለወን መካይን-ውድድር (formula 1) ክሳብ 300 ኪ.ሜ ንሰዓት ይጎዓዛ ፡ ስለምንታይ እና ግን ምድሪ ክትዘውር ከላ ገለ ዘይርድኣና ኢልካ ዶ ሓቲትካ ትፈለጥ፧ እወ እንተ ኮይኑ መልስኻ በይንኻ ኣይኮንካን፡፡ ዙረት ምድሪ ከይርድኣና ዝገበሩ 3 ረቇሒታት ኣለዉ፡ ንሶም ድማ  ነዚ ዝስዕብ ይመስሉ!  

  1.  ሃዋህው(atmosphere )
  2. ንውከሎም ነጥብታት
  3. ስሕበት ምድሪ

እዚ እንታይ ማለት እዩ 1-3 ብዝርዝር ንር ኣዮም እምበኣር!!!!!!

  1.  እቲ ንምድሪ ከቢብዋ ዝርከብ ሃዋህው ኣብ ግዜ ዙረት ምስ ምድሪ እዩ ዝዘውር፡ እቲ ሰመያዊ ወይ ድማ ሰማይ ኢልና ንጽውዖ ኣብ ኣርባዕተ ዝተኸፍሉ፡ ክብታት ኣየር ኣለዎ። ኣብ ግዜ ዙረት ምድሪ እቶም ክብታት ሃዋህው ወን ከይተረፉ ምስ ምድሪ እዮም ዝጎዓዙ።እዚ ድማ ዙረት ምድሪ ከይርድኣና ይገብር።  

2. ኣብ ግዜ ጸልማት ብ ትረይን ይኹን ነፋሪት  ምስ እንጎዓዝ፡ብፊንስትራ ድማ ገለ ነገር ክንሪኢ ምስ ንፍትን፡ ዝኾነ ነገር ንምርኣይ ከቢድ እዩ። ስለዚ ድማ እታ ንጎዓዘላ ዘለና መጎዓዝያ ሓጎጽታ ኣብ ዘይብሉ ግዜ ጠጠው ኢላ ዘላ እያ  ትመስለና። ስለምንታይ ፧ ምኽንያቱ ብምርኣይ ንውከሎም ነገራት ስለ ዝስወሩ እዩ። ኣብ ግዜ ብርሃን ምስ ንጎዓዝ፡ ኣግራብ ፡ገዛውቲ፡ እና ሓለፍና ከም ንነፍጽ ዘለና ንሪኦ እና በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ምንቅስቃስ ከም ንርከብ ይስቆረና። ኣብ ግዜ ዙረት ምድሪ ግና ብምርኣይ ንውከሎም ነገራት የብልናን፡ ምኽንያቱ  ኣብ ዓለም ዝርከብ ኩሉ ምሳና ስለ ዝዘውር።  

3. ይኩንበር እቲ ማእከላይ ስሕበታዊ ሓይሊ (centrifugal force )ግን  ክርድኣና ይግብኦዶ ትብል ኣሎኻ፧ እቲ ካብ ሕምብርቲ ምድሪ ዝወጽእ ስሕበት-ምድሪ ካብቲ ምስዓለም ክፈልየና ዝደሊ ፡ ማእከላይ ስሕበታዊ ሓይሊ ስለ ዝሕይል እዩ፡ ኣብ ምድሪ ክንቀውም ንኽእል።  እቲ ካብ ሕምብርቲ ምድሪ ዝወጽእ ስሕበት-ምድሪ እንተ ዘይህሉ ኔሩ፡ ልክዕ ከምቲ ገለ ነገር ዝለገባ'ሞ ምስ ተቀልዐት ዝንገፍ ክዕሶ ፡ ካብ ምድሪ ብ ኣስታት 1000 ክ.ሜ ኣብ ሰዓት ካብኣ ምተመርገፍና ኔርና። እቲ ብ ሓደ ሓይሊ ናይ  9,80m/s²   (ሜትሮ ን ሰከንድ ስክዌርድ) ናብ ገጽ ምድሪ ዝስሕበና ሓይሊ  እምበኣር ሓደ ካብቶም ንዙረት ምድሪ ከይርድኣና ዝዓዪ ሓይሊ እዩ።  


I BUILT MY SITE FOR FREE USING