ልቢ ሓንቲ ካብተን ብዘይ በአአን ንውሱን ደቃይቅ ውን ፡ ክነብር ዘይንኽእል ኦርጋን እያ። ካብኡ ዝተበገሰ ግዲ ኮይኑ ድማ ኣርማ ፍቅሪ እያ። ኣብ ዝስዕብ ዝርዓተ ምጭንጏዕ ደም ዘማእከለ ሓፈሻዊ መረዳእታ ክንህብ ኢና። 

ልቢ ሰብ ፡ ኣርባዕተ ሰሙን ምስ ገበረ ሓደ ዕሸል ገና ከይተወለደ  እያ ምህራም ትጅምር።ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቂቃ  ካብ 60 ክሳብ 90 ግዜ ክትሃርም ትኽእል እዚ ድማ ኣብ ግዜ ህድኣት  ወይ ኣካላዊ ንጥፈታት ኣብ ዘይንገብረሉ ግዜ  እዩ። ልቢ ሰብ ኣብ መላእ ሂወት ሓደ ሰብ ክሳብ 2 ቢልየን ግዜ ክትሃርም ትኽእል። ልቢ ሰብ ካብ ክልተ ጏንጏን(right/left antrium)  ካብ ክልተ መንሃሪ ደም  (right/left ventricle)  ማለት  ጸጋማይን-የማናይን ክፋል ዝቆመት እያ። እቲ የማናይ ክፋላ ኦክስጅን ዘይተሰከመ ደም ናብ ሳንቡእ ክጭንጉዕ ከሎ ፡ እቲ  ጸጋማይ ድማ ኦክስጅን ዝተሰከመ ደም ካብ ሳንቡእ ተቐቢሉ ናብ መላእ ኣካላትና ይጭንጉዖ። እቲ ደም ካብ ጸጋማይ ጏንጏ ናብ መላእ ኣካላትና ተጨንጒዑ ክኾልል ከሎ፡ ንዋህዮታትና ዘድልዮም መግብን ኦክስጅንን እዩ ዘብጽሕ። ተወሳኺ ድማ ደም ዘድሌና ሙቐት ኣብ ምዕቃብ፡ ኣብ ግዜ ምሕዋይ ቁስሊ፡ ከምኡውን ኣብ ምሕላፍ መልአኽቲ ንኣብነት ብ ሆርሞን ዓቢ ተራ ይጻወት። 

ህርመት ልቢ ብምጭባጥን ምዝርጋሕን ጭዋዳ እዩ ዝካየድ። ነቲ ጭዋዳ ድማ ኤሌክትሪካዊ ድርኺት ወይ   (Eng. impulse) እዩ ክዝርጋሕን ክጭበጥን ዝገብሮ። ልቢ ሰብ ከፊትካ ምስ ትሪኣ ሓንቲ ካብቶም ኣገረምቲ ኦርጋን እያ፡ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ድማ ክትምቀል ትኽእል።ንሎሚ ግን ኣብ ምጭንጏዕ ደም ከነተኩር እና። ነዚ ዝስዕብ ምስሊ ልቢ ተዓዘብ። ዘክር ብእንግሊዜኛ ventricle-ጨንጏዒ ማለት ክኸውን ከሎ antrium ድማ ጏንጏ ማለት እዩ።

ልቢ ኣብ ሓደ ግዜ ክልተ ዕዮ እያ ተማልእ፡ ንሱ ድማ ምጭንጏዕ ኦክስጅንን ካልእ መግብን ዝሓዘለ ደምን፡ ከምኡውን እቲ ዝሓዞ መግብን ኦክስጅንን ኣብጺሑ ዝተመልሰ ደም እዩ። እቲ ኣብ ሙሉእ ኣካላትና ዝግብኦ ክሰርሕ ዝጸነሐ  ደም ብላዕለዋይን ታሕታይን ሻምቡቆ ደም ናብ ልቢ ይምለስ፡ ከምበሓድሽ ካብቲ ነስተንፍሱ ኣየር ኦክስጅን ሕዙ ምዝዋሩ ክቅጽል ድማ ልቢ ናብ ሳንቡእ ትጭንጉዖ። እቲ ካብ ሳንቡእ ኦክስጅን ተሰኩሙ ዝምለስ ደም ድሕሪኡ ካብ ሳንቡእ  ናብ ጸጋማይ ጏንጏ እዩ ዝኸይድ። ካብ ጸጋማይ ጏንጏ ድማ ናብ መላእ ኣካላትና ይጭንጏዕ፣ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ህርመት ድማ እዚ መስርሕ እዚ እዩ ዝደጋገም። እቲ ደም ካብ መላእ ኣካላትና በቶም ደቀቅቲ ሰራውር ደም እዩ ናብ ልቢ ዝምለስ። ካብ ልቢ  ኣብ ሳንቡእ ድሕሪ ምብጽሑ ድማ በቶም ኣርተሪታት ናብ መላእ ኣካላትና ይጭንጏዕ። ኣኦርታ ዝተባህለ ኣርተሪ ካብ ጸጋማይ ክፋል ልቢ ናብ መላእ ኣካልና ኣብ ምጭንጏዕ ዝዓበየ ተራ ይጻወት። ልቢ ኣብ ግዜ ምጭንጏዕ ቀዲማ ብደም እያ ትመልእ ክትመልእ ከላ እቲ ዝዕጾን ዝኽፈትን ብ (Eng. heart valve) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋላ ይዕጾ እዩ። ብኸምዚ ድማ እቲ ጏንጏ (ላዕለዋይ ስእሊ ተዓዘብ) ደም ይመልእ፡ ምስ  መለአ ድማ እቲ መእተዊ ደም ዝዕጾን ዝኽፈትን ክፋል ልቢ ይኽፈት፡ እቲ ደም ድማ ናብቲ ጨንጏዒቶ (ላዕለዋይ ስእሊ ተዓዘብ)  ይወርድ። ካብታ ጨንጏዒቶ ድማ ናብ ሳንቡእ ወይ መላእ ኣካልና ይኸይድ ። ህርመት ልቢ ከምቲ ኣቀዲምና ዘተንባህናዮ ብ ኤሌክትሪካዊ ድርኺት እዩ ዝሰርሕ፡ sinus/sinuotrial node    ዝተባህለ ካብ ፍሉያት ዋህዮታት ዝቆመ ንእሽቶ ክፋል ልቢ ኣሎ። እቲ ክፋል ልቢ ብዝሰደዶ ኤሌክትሪካዊ ድርኺት እዩ ልቢ ዝጭበጥን ዝዝርጋሕን።


  


 ልቢ ዓለም ለኻዊት ሰንደቅ ወይ ምልክት ፍቅሪ እያ። እቲ ትክክል ምስላ ግን ከምቲ ሰባት ፍቅሪ ንምግላጽ ዝጥቀምሉ ኣይኮነን!  ከም ሓቂ ፍቅሪ ምስ ኣእምሮ እምበር ምስቲ ደም ዝጭንጉዕ ልቢ ዘተሓሕዝ የብሉን። 


I BUILT MY SITE FOR FREE USING