Dr. Karl Landsteiner ኣዝተባህለ ኣውስትርያዊ ኣመሪካዊ  ሓኪም ፡ በቲ ስለምንታይ እዩም፡ ኣብ መጀመርያ 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ምልጋስ ደም ብዙሓት ሰባት መይቶም፧ ዝብል ሕቶ ተደሪኹ መርመራ ደም ከካይድ እዩ ተገዲዱ።ነቲ መርመራ ደሙን፡ ደም መሳርሕቱን ወሲዱ እዩ ጀሚርዎ፡ ድሕሪ ነዊሕ መርመራ ድማ፡ ደሙ ምስ ሓደ ካብቶም መሳርሕቱ ጥራይ ከም ዝሰማማዕ ከስተውዕል ክኢሉ። ድሕሪ ነዊሕ መርመራታት ብ ማይክሮስኮፕ ድማ 4 ዓይነታት ደም ክህልዉ ኣለዎም ዝብል መደምደምታ ክገብር ክኢሉ። ነቶም  4 ዓይነታት ደም ድማ 1.( A) 2. (B) 3.(AB) 4.(O) ሰምይዎም።

Dr. Karl Landsteiner ከም ዘሰተውዓሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ዓይነት ደም ምስቲ ንዕኡ ዝመስል ዓይነት ጥራይ ከም ዝሰማማዕ እዩ። ክልተ ዘይሰማምዑ ዓይነታት ደም ምስ ዝጋጠሙ ክሳብ ሞት ከስዕብ ዝኽእል ድስካለ/ዕንካረ ናይ ደም ከጋጥም ይኽእል ፡ እዚ መስርሕ እዚ ብ ሓካይም (agglutinate/tion) ይበሃል፡ እቲ ምኽንያት ናይቲ ድስካለ ደም  ኣብ ኣፈጣጥራ ክፋላት ናይቲ ደም ፍልልይ ስለ ዘሎ እዩ ዘጋጥም ። ዝበዝሑ ሰባት A  ወይ  B ዓይነት ሳብስታንስ ዘለዎም ቀያሕቲ ዋህዮታት-ደም እዮም ዝውንኑ። ገለ ሰባት ድማ ክልቲኡ ሳብታንስ ዝሓቆፉ  ቀያሕቲ ዋህዮታት-ደም እዮም ዝውንኑ፡ AB ድማ ይስመዩ ፡ ገለ ሰባት ድማ በንጻሩ ነቲ ሳብስታንስ ኣይውንንዎን እዮም ወይ የብሎምን ፡ እዚኦም ዓይነት ሰባት ድማ  O-ዓይነት ደም ኣለዎም ማለት እዩ።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ደም ከም ዘለዉ ምፍላጥ፡ ኣብ ስነ-ፍልጠት ሕክምና ዓቢ ዓወት እዩ ኔሩ። ቁጽሪ እቶም ኣብ ግዜ ምልጋስ ደም ዝሞቱ ዝነበሩ ሰባት ድማ ኣዝዩ ክትሕት ክኢሉ እዩ። ኣብ 1930 Dr. Karl Landsteiner ስለቲ ዝርኸቦ ጭብጢ ፍልልይ ዓይነታት ደም ናይ ደቂ ሰብ  ሽልማት ክረክብ ክኢሉ እዩ።      

መን ንመን እዩ ዝልግሰሉ፧ 

ዓይነት ደም  A  ዘለዎም ሰብ ጸረ-ኣካል  B ድማ ኣለዎ ማለት እዩ፡ ወይ ድማ በንጻሩ። ስለዚ A ምስ B ክለጋገሱ ኣይክእሉን እዩም ማለት እዩ። AB ዓይነት ደም  ግና በንጻሩ ጸረ-ኣካል የብሉን፡ እንተ ዘይከውን ድማ ባዕሉ ንባዕሉ ምደስከለ ኔሩ።  AB ዓይነት ደም ዘለዎም ሰባት ተቀበልቲ ኩሉ ዓይነት ደም እዮም።  O-ዓይነት ደም  ዘለዎም ሰባት ድማ ለገስቲ ኩሉ እዮም፡ ኣብ ምቅባል ግና ምስ ናቶም ዓይነት ደም ጥራይ እዩም ዘሳንዩ። ነዚ ዝስዕብ ሰሌዳ ትኸተል ዝሓሸ መርድኢ ንኽህልወካ!///// ✔ ማለት ይህብ ወይ ይቅበል ማለት እዩ ✘ ድማ በንጻሩ ኣህብን ወይ ኣይቅበልን ማለት እዩ።  

    

I BUILT MY SITE FOR FREE USING