ጸርገ-ንጡፍ

ጸርገ-ንጥፈት ብሕጽር ዝበለ መግለጺ ፡ ሓደ ባህሪ ናይ ጽኑዕ ሕመረት ዘይብሉ ባእታ እዩ። ሕመረት፡ እቲ ካብ ፕሮቶን ከምኡ ውን ንዩትሮን ዝቆመ ማእከላይን ወሳንን ክፋል ሓደ ኣቶም እዩ። ኣቶም ካብ ኤልክትሮንስ ዝቆመ'ውን እዩ። ዘይጽኑዕ ሕመረት ማለት ድማ፡ ብዝሒ ንዩትሮንን ናይ ሓደ ኣቶም ምስቶም ኤለክትሮንስ ዘይመዛዘን ዝኸውን እዩ። 

ዘይምምዝዛን ብዝሒ ንዩትሮንን ኤለክትሮንን ኣብ ሓደ ኣቶም፡ ምስ ዘጋጥም፡ ሓደ ኣቶም ይብተን፡ ድሕሪኡ ድማ ሓድሽ ይፍጠር፡ ኣብቲ መስርሕ ምብታን እዩ እምበኣር ጸርገ-ንጥፈት ዝካየድ። እዚ ማለት ልክዕ ከም ጩራ-ብርሃን ጸሓይ፡ ግናኸ ክርአ ዘይክእል  ጸዓት-ሓዘል ጸዳል ይፍኖ!

እቲ ጸዳል ጸዓት- ወይ ሓይሊ ሓዘል ስለዝኾነ፡ ህያውያን ፍጡራት ማለት ሰብ፡ እንስሳታት ከምኡ'ውን ኣትክልቲ ናይ ምጕዳእ ክእለት ኣለዎ። 

                        ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጸርገ-ንጥፈት

ዓይነታትመለልዪኦም
alpha(ኣልፋ)እዚ ዓይነት ጽርገ-ንጥፈት ሓደ ዘይጽኑዕ ሕመረት ዘለዎ ባእታ ናብ ሂልየም ዝተባህለ ከሚካዊ ባእታ  ምስ ዝቅየር እዩ።
beta (ቤታ)እዚ ዓይነት ጸርገ-ንጥፈት ካብቲ ዘይጽኑዕ ሕመረት ዘለዎ ኣቶም፣ ጸዓት-ሓዘላት ኤለክትሮንስ ምስ ዝፍነው እዩ፡ ዝረአ።
gamma rays(ጋማ-(ጸዳል))ጋማ-ጸዳል ኤለክትሮማግነቲካዊ ጩራ ኮይኑ ዘይከምቶም ካልኦት ዓይነታት ጸርገ ንጥፈት፡ ከም ብርሃን ብማዕበላዊ መልክዕ እዩ፡ ዝመሓላለፍ። 

alpha , beta, gamma፡ እቶም ሰለስተ ቀዳሞት ፊደል ናይ ቛንቛ ጽርኢ፡ ማለት ግሪኽ እዮም ፡ ወይ ድማ ብጽርኢ ( α , β,  γ )


                                                ምልክት ጸርገ-ንጥፈት

ጠንቂ ጸርገ-ንጥፈት ባህርያዊ ከምኡ'ውን ሰብኣዊ  ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት ናይ ሰብኣዊ ጠንቂ ዘለዎ ጸርገ-ንጥፈት፡ ኣቶማዊ ቦምባ ክንወስድ ንኽእል። ጸርገ-ንጥፈት ዋህዯታት ህያውያን ፍጡራት ናይ ምዕናው ክእለት ኣለዎ። ስለዚ  ጸርገ-ንጥፈት  ዓይነቱን ፡ክብደት ጉድኣቱን ይፈላለ እምበር ፡ ንህያውዋን ፍጡራት ጎዳኢ እዩ። 

ጉድኣትን ሓይሊን ናይ ዓይነታት ጸርገ-ንጥፈት!

እቲ alpha  (ኣልፋ) ዝተሰምየ ጸርገ-ንጥፈት፡ ላዕለዋይ ቆርበትና ሓሊፉ ናይ ምጉዳእ ክእለት የብሉን፡ ንወረቐት ውን ትኹን ሰንጢቅካ ናይ ምሕላፍ ክእለት የብሉን፡ ይኹንእምበር ብመልክዕ መስተ ይኹን ምግቢ ናብ ኣካላትና ምስ ዝኣቱ ንጥዕናና ጎዳኢ እዩ። 

እቲ beta (ቤታ) ዝተሰምየ ዓይነት ጸርገ-ንጥፈት ግን በንጻሩ፡ ላዕለዋይ ቆርበት ሰንጢቝካ ናይ ምሕላፍ ክእለት ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ኣካላት ህያውያን ፍጡራት ምስ ዝኣቱ ድማ ፡ ኣብ ዋህዮታቶም መቐይሮታት ከስዕቡ ይኽእሉ። ይኹንእምበር 2 ሰ.ሜ ዝግዝፉ ፕላስቲክ ጌርካ ብቄሊሉ፡ ክንከላኸሎ ንኽእል።

እቲ gamma (ጋማ)  ዝተሰምየ ዓይነት ጸርገ-ንጥፈት፡ ካብ ኩሎም  እቲ  ጎዳኢ እዩ። ሙሉእ ኣካልና'ውን ከይተረፈ ናይ ምጥሓስ ክእለት ኣለዎ፡ ስለዚ ድማ ንመከላኸሊ ዝኸውን ፍሉይ ዕጥቂ የድሌና፡።


I BUILT MY SITE FOR FREE USING