CO² ኣሕጽሮ ቃላት ናይ Carbon dioxide  (ትግሪኛ-ካርቦንዳይኦክሳይድ)  ኮይኑ ከሚካላዊ ጋዝ እዩ። ተወሳኺ ካብ ካርቦንን ኦክሲጅንን ዝቆመ  ጋዝ ውን`ዩ። ካርቦንዳይኦክሳይድ ኣብ ማይ ዝሓቅቅ ወይ ዝፍታሕ ጨናን ሕብርን ዘይብሉ ዘይነድድ ዓነት ጋዝ ዩ። እቶም ብብቡዙሓት ሰባት ዝፍተዉ ጋዝ ዝተሓወሶም መስተታት ንኣብነት ማይ ጋዝ ፣ ኯካ፣ ፋንታ ወ.ዘ.ተ ውን  CO² ስለ ዝተሓወሶም`ዩ ክበሃል ይከኣል። CO²  ሓደ ባህርያዊ ክፋል ናይቲ ነስተንፍሶ ኣየር`ዩ። ኣየር  ክሳብ 0.04%  ካብ ካርቦንዳይኦክሳይድ   ዝቆመ`ዩ። ከምዚ ትርኢዎ`ዩ እምብኣር CO² ካብ ባህሪ ዘፍቅዶ መጠኑ ክሳብ ዘይሓለፈ ዘይጏዳእን ባህርያውን ጋዝ`ዩ። ከም ሓቂ ኣብ ዓለም ንዝነብሩ ህያውያን ፍጡራት ኣትኽልቲ፣ሰብ፣እንስሳታት ንምንባር ዘድልዮም ኣየር`ዩ። እቲ መስርሕ ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል///

ኣትኽልቲ ብሰራውሮም ማይን ካልኦት ማዕድናትን ካብ ምድሪ ይስሕቡ ብጨናፍሮም ድማ CO² ፣ ኣብ መጨረስትኡ ብሓገዝ ብርሃን ናይ ጸሓይ Glucose ዝተባህለ ንዐኦም ዘድልዮም ዓይነት ሽኮር  ከምኡ`ውን ንሕና ነስተንፍሶ ኦክስጅን የፍርዩ። ድሕሪ`ዚ ድማ  ሰባትን  እንስሳታትን ንኽነብሩ  ኣትኽልቲ ይበል`ዑ ። ምናልባት ስጋ ጥራይ ዝምገቡ እንስሳታት ኣለዉ እንድዮም ትብሉ ትኾኑ፣ እቲ መልሲ በላዕቲ ስጋ ውን፣ ስጋ ናይ ሳዕሪ ዝበልዑ እንስሳታት እዮም ዝምገቡ እዩ።


ሕቶና፣ ስለምንታይ`ዩ CO²  ኣብ ምቕያር  ዓለም-ለኻዊ ክሊማ ዓቢ ተራ ዝጻወት፧ እዩ። ቅድሚ`ዚ ሕቶ ምምላስና፣ፍልልይ ክሊማን ኩነታት-ኣየርን እታይ እዩ፧ ክሊማ ማለት ዓለም ለኻዊ ምቅይያር ናይ ኩነታት ኣየር ብዉሑድ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት`ዩ፣ ኩነታት ኣየር (Engl. weather) ግን በንጻሩ መዓልታዊ ንዕዘቦ ኩነታት ኣየር እዩ። ደበና ይህሉ ፣ማይ ይወቅዕ፣ ጸሓይ ትወቅዕ ፣ ወዘተ እዚ ኩነታት ኣየር`ዩ።

ቀዳመይቲ ሕቶና ንመልሳ እምኣር// ደቂ ሰባት ኢንዳስትሪ ክጥቀሙ ካብ ዝጀመሩሉ ግዜ (1760 – 1840 ) መጠን CO²  ዓለም-ለኻዊ እንዳ ወሰኸ`ዩ መጽዩ። ንጥቀመሎም ብኤሌክትሪክ ወይ ነዳዲ  ዝሰርሑ ነገራት ከም መጎዓዝያታት፣መራኸቢታት ከም ቴሌ-ፎን፣ኮምፒተር፣ ኩሉም CO² የፍርዩ እዮም። በዚ ምኽንያት CO² ካብ ባህርያዊ ኣድላይነቱ ንላዕሊ  እንዳ በዘሐ መጽዩ። ምናልባት ኮምፒተረይ ይኹን ሞባይለይ ከመይ ጌራ እያ ካርቦንዳይኦክሳይድ ተፍሪ ትብሉ ትኾኑ፣ እቲ መልሲ ብሕቶ ክምለስ ይከኣል፦  ኮምፒተርኩም ይኹን ሞባይልኩም ንኽስርሓ ይኹን ክሰርሓ እንታይ የድሊ፧ ትኽክል ጸዓት የድሊ! ኤሌክትሪክ፡ ከምኡን ኣብ ምስራሕ ባተሪ ኣገደስቲ ዝኾኑ ግናኸ ብቀሊል ምፍሓር ዘይርከቡ ብእንግሊዜኛ  lithium ከምኡውን cobalt ዝተባህሉ ማዕድናት የድልዩ። ኮምፒተርኩም ይኹን ሞባይልኩም ንኽስርሓ ይኹን ክሰርሓ እምኣር ብዙሕ ነዳድን ኤለክትሪክን እየን ዝውድኣ።ኤለክትሪክ ወይ ነዳዲ ንምምንጫው ድማ  CO²  ምፍራይ ግዴታ ይኸውን።

Greenhouse effect ዶ ክበሃል ሰሚዕኩም ትፈልጡ፧ Greenhouse effect ካብዚ ዝስዕብ ሰባት ንምስሳን ኣትክልትታት ዝጥቀሙሉ መስርሕ  ዝተወስደ ቃል እዩ። ገለ ኣትኽልትታ ብቢትሮ ኣብ ዝተሰርሐ ገዛ ምስ ዝኣትዉ ብዘገርም ይስስኑ፡ እቲ ምኽንያት ድማ እቲ ቢትሮ ሰንጢንቁ ዝኣቱ ሙቐት ፡ ኣከባቢ ወላ ኣብ ዝዝሕለሉ ግዜ ነቲ ምድሪ ወይ ተኽሊ  ዘድሊ ሙቐት ክረብኽቡ ስለ ዝገብር እዩ። ንመረዳእታ ነዚ ዝስዕብ ተዓዘብ///   

           እቲ ሙቐት ይኣቱ ከይወጽእ ግና በቲ ቤትሮ ይዕጾ! ኣብዚ ዓለም-ለኻዊ ምቅያር ክሊማ ድማ ንዓለምና ብሰንኪ መጠኑ ዘይሓለወ ብዝሒ ካርቦንዳይኦክሳይድ ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢምዋ ይርከብ////

                          

ምድሪ ነቲ ካብ ጸሓይ ዝመጻ ብርሃን ብጻዕዳ ክፋላታ ከም በረድ  ከምኡን`ቲ ሙቀት ናብ ህዋ እንዳ ነጸገት`ያ መጠናዊ ክሊማ ትዕቅብ፣ ክፉእ ገጽ ናይ CO²  እምበኣር ኣብዚ`ዩ ተራ ዝጻወት። እቲ ምክንያት ድማ ነቲ ናይ መጠናዊ-ክሊማ ምዕቃብ መስርሕ ስለ ዝርብሾ እዮ (ብ ሕጽር ዝበለ ኣዘራርባ)። ካብ ጸሓይ ዝመጸ ሙቀትን ብርሃንን ኣብ ክንዲ ናብ ህዋ ዝንጸግ ኣብ ምድሪ ይተርፍ CO²  ይኽልክሎ ናብ ህዋ ከይምለስ። ውጽኢቱ ድማ ሙቀት ይኸውን። ምቅያር ዓለምለኻዊ ክሊማ ኣብ ግዜና ንደቂ ሰባት ዓቢን ኣስጋእን ጸገም እንዳ ኾነ ይመጽእ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ብዙሓት ሃገራት  ጸዓት ዘፍርያሉ መገዲ ናብ ባህርያዊ ምንጪ  ጸዓት ክቅይርኦ ይመባጽዓ ኣለዎ።ባህርያዊ ምንጪ  ጸዓት  ንኣብነት ካብ ሶላር፣ንፋስ፣ ጹሩይ ሃይድሮጅን እዩ ዝምንጩ  ። ንኣብነት ጀርመን ኣብ 03.07.2020 ክሳብ 2038 ካብ ፈሓም ኤለክትሪክ ምምንጫው ከም ተቇርጽ ተመባጺዓ።  ውልቃውያን ሰባት ን`ዝሓሸ ዓለምለኻዊ-ክሊማ ነዞም ዝስዕቡ ቀለልቲ ነገራት ክገብሩ ይኽእሉ//

  1. ዘይትጥቀመሎም ብኤሌክትሪክ ዝሰርሑ ነገራት ምጥፋእ
  2. ኣብ ግዜ ምግዛእ ፕላስቲክ ምውጋድ
  3. ብሳይክል ምጉዓዝ 
  4. ኣድላዪ ዘይኾነ ምጉዓዝ ብመኪና ፣ ነፋሪት ምውጋድ
  5. ትገዝኦም ነገራት ንክሊማ ብዘይ ሙግዳእ ዶ ፈርዮም ምጥንቃቅ ወ.ዘ.ተ  

 ናይ ሎሚ ሕቶታትና ነዚ ዝስዕብ ይመስል///

  1. ብ ውልቅካ ንዝሓሸ ክሊማ እንታይ ትገብር፧ 
  2. ነዞም ኣቀዲሞም ዝተተቅሱ 5 ኣብነታት ተማልኦም ዶ፧ 
  3. ምቅያር ዓለምለኻዊ ክሊማ ትኣምነሉ ዶ ፧
  4. ነዚ ገጢሙና ዘሎ  ምቅያር ዓለምለኻዊ-ክሊማ ነመሓይሾ ዶ ንኸውን፧ 
I BUILT MY SITE FOR FREE USING