Dunning-Kruger Effect   ካብ ክውንነት ዝረሓቀ ሉዑል ነብሰ-ግምገማ ናይ ዘይፈልጡ ወይ ዘይክእሉ ሰባት ዝገልጽ ሰረተ-ሓሳብ`ዩ። ዘይክእሉ ወይ ዘይፈልጡ ሰባት መጠናዊ ግምገማ ናይ ኽእለቶምን ፍልጠቶምን ንኽህልዎም ኣጸጋሚ`ዩ። እዚ ድማ እቲ ኣለና ዝብልዎ ፍልጠት ወይ ክእለት ስለ ዘየለ`ዩ። ነዚ ባህሪ`ዚ ተዓዚቦም  ከለልዩ ዝኸኣሉ ሰባት    David Dunning  ከምኡውን Justin Kruger ይበሃሉ ። ካብ 1999 ጀሚሩ ድማ ቲ'ባህሪ ብ'ስሞም ይጽዋዕ።

እቶም ተመራመርቲ ከም ዝገልጽዎ ድሕሪ ብዙሕ መርመራታት ንኣብነት ጸወታ ቸስ ፣ ምጽሓፍ ፣መኪና ምዝዋር ወ.ዘ.ተ ዘይምፍላጥ  ልዑል ርእሰ-ተኣማንነት  የስዕብ ካብ ፍልጠት።እዚ ዓይነት ባህርያት ዘለዎም ሰባት ድማ 

  • ክእለቶም ኣልዒሎም ይግምቱ
  • ናይ ካልኦት ክእለት ኣየለልዩን
  • ሕምቀቶምን ጉድለቶምን ብ`ትኽክል ኣይፈልጡን 
  • ሓደ ሰብ ዘይፈልጥ ወይ ዘይክእል እንድሕሪ ድኣ ኮይኑ  ደረት ፍልጠቱን ክእለቱን ክግምግም የሸግሮ፣ እቲ ምኽንያት ድማ ደረት ፍልጠትካን ክእለትካን ን'ምፍላት ፍልጠትን ኽእለትን ስለ ዘድሊ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ መጠኑ ዝሓለፈ  ኣወንታዊ ነብሰ-ግምገማ የስዕብ፦

ናይ ሎሚ ሕቶና እዚ ዝስዕብ ዩ።

  1. መጠናዊ ነብሰ-ግምገማ ዶ ሎኻ፣
  2. ክእለትካን ፍልጠትካን ደሚርካ ተድመዓሉ ሞያ ትፈልጦዶ፣ ድሮ ትሰርሕ ተለኻ ድማ ኣብ ተድመዓሉ ቦታ ዶ ሎኻ፣
  3. ናይ ካልኦት ክእለትን ፍልጠትን ትቕበል ዶ፣

ነዞም ይጠቕሙ`ዮም ዝበልናዮም ሕቶታት ኣብ ብሕቲ ብጽሑፍ መልሶም፡ ሙሉእ ሓሳብ ውን ተጠቀም።


I BUILT MY SITE FOR FREE USING