Dunning-Kruger Effect ካብ ክውንነት ዝረሓቀ ሉዑል ነብሰ-ግምገማ ናይ ዘይፈልጡ ወይ ዘይክእሉ ሰባት ዝገልጽ ሰረተ-ሓሳብ`ዩ። ዘይክእሉ ወይ ዘይፈልጡ ሰባት መጠናዊ ግምገማ ናይ ኽእለቶምን ፍልጠቶምን ንኽህልዎም ኣጸጋሚ`ዩ። እዚ ድማ እቲ ኣለና ዝብልዎ ፍልጠት ወይ ክእለት ስለ ዘየለ`ዩ። ነዚ ባህሪ`ዚ ተዓዚቦም ከለልዩ ዝኸኣሉ ሰባት David Dunning ከምኡውን Justin Kruger ይበሃሉ ። ካብ 1999 ጀሚሩ ድማ ቲ'ባህሪ ብ'ስሞም ይጽዋዕ።
እቶም ተመራመርቲ ከም ዝገልጽዎ ድሕሪ ብዙሕ መርመራታት ንኣብነት ጸወታ ቸስ ፣ ምጽሓፍ ፣መኪና ምዝዋር ወ.ዘ.ተ ዘይምፍላጥ ልዑል ርእሰ-ተኣማንነት የስዕብ ካብ ፍልጠት።እዚ ዓይነት ባህርያት ዘለዎም ሰባት ድማ
- ክእለቶም ኣልዒሎም ይግምቱ
- ናይ ካልኦት ክእለት ኣየለልዩን
- ሕምቀቶምን ጉድለቶምን ብ`ትኽክል ኣይፈልጡን
ሓደ ሰብ ዘይፈልጥ ወይ ዘይክእል እንድሕሪ ድኣ ኮይኑ ደረት ፍልጠቱን ክእለቱን ክግምግም የሸግሮ፣ እቲ ምኽንያት ድማ ደረት ፍልጠትካን ክእለትካን ን'ምፍላት ፍልጠትን ኽእለትን ስለ ዘድሊ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ መጠኑ ዝሓለፈ ኣወንታዊ ነብሰ-ግምገማ የስዕብ፦
ናይ ሎሚ ሕቶና እዚ ዝስዕብ ዩ።
ነዞም ይጠቕሙ`ዮም ዝበልናዮም ሕቶታት ኣብ ብሕቲ ብጽሑፍ መልሶም፡ ሙሉእ ሓሳብ ውን ተጠቀም።