ሕማም ሽኮርያ ብ (diabétēs) ዝበሃል ናይ ግሪኽ ቃል ዝፍለጥ ኮይኑ ትርጉማ ድማ ሽኮራዊ ወይ መዓራዊ (ሕማም) እዩ። ሕማም ሽኮርያ ኣብ ጥንታዊት ግብጽን ኣብ ማእከላይ ክፍለ ዘመንን ከም ሕማም ይፍለት ከም ዝነበረ ይዝንቶ። ይኹን እምበር ጠንቁ ይፍለጥ ሰለ ዘይነበረ ከም ሳዕቤኑ ድማ መድሃኒት ኣይነበሮን። ኣብ ግዜና ግና ሳላ ዑቱብ መርመራን ፍልጠትን ናይ ሽኮርያ ፣ ሕማም-ሽኮርያ  ዘለዎም ሰባት ኖርማል ሂወት ክመርሑ ክኢሎም`ዮም።

                ሰባት ሽኮርያ ምስ ዝሓሙ እንታዪ ዘጋጥም፧

ሽኮርያ ኣብ ዘይብሎም ሰባት ብመልክዕ መግቢ ይኹን መስተ ዝወስድዎ ሽኮር ብኢንሱሊን (Eng. insulin) ዝተባህለ ሀርሞን`ዩ  ዝመሓደር ወይ ከም ዝግብኦ ኣብ ኣካላትና ዝከፋፈል። ሽኮርያ ምስ ንጥቃዕ ግና እቲ ኢንሱሊን ዝተባህለ ሀርሞን ዝወሰድናዩ ሽኮር ናይ ምምሕዳር ኽእለቱ ይቅንስ። ኢንሱሊን ከም ሽኮር ናብ ዋህዮታትና ዘብጽሕ መፍትሕ ክቅረጽ ይከኣል። ንመረዳእታ ኣብዚ ዝስዕብ ተንቀሳቃሲ ምስሊ ተኸተሉ///

ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት እዚ ንኽንነብር ኣገዳሲ ዝኾነ ኢንሱሊን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንኣካልና ዘድልዮ ሽኮር`ውን ዘመሓድር  ሆርሞን ስለ ዝጎደለ ወይ  ዕይኡ ንምግባር ስለ ዝሕንግድ`ዩ(Eng. resistent ይኸውን)።

          ስለምንታይ`ዩ ኢንሱሊን ዝጎድል፧

ኢንሱሊን ዝፈርየሉ ክፋል ኣካልና ላልሽ`ዩ ዝብሃል (Eng. pancreas)። ነታ ኦርጋን ኣብ ውሽጣ ነዚ ኢንሱሊን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሆርሞን ናይ ምፍራይ ክእለት   ኣለውዋ። እቶም ዋህዮታታ  በቶም ከይንሓምም ዝከላኸሉልና ዋህዮታት (immune system) ከም ጸለኢ ምስ ዝረኣዩ ከምኡውን ዝጥቅዑ ይሞቱ፣ወይ ኢንሱሊን ካብ ምፍራይ የቛርጹ፣ ጠንቁ ድማ ሽኮርያ ይኸውን። pancreas ወይ ድማ ላልሽ ኣብ ሰብ ነዚ ዝስዕብ ትመስል///


      ሳዕቤን// ሕማም ሽኮርያ  ልዑል ጽምኢ  ፣ ምንካይ ክብደት፣ ስምዒት-ድኻም፣  ናይ ምስትንፋስ ጸገም  ወ.ዘ.ተ የስዕብ።
                   ሽኮርያ ብኸመይ ይሕከም፧

                    ከምቲ ኣቐዲምና ዘተንባህናዩ እምኣር ክልተ ዓይነት ሕማም ሽኮርያ እዩ ዘሎ። 

 ዓይነት ሽኮርያ                                                                              
  ዓይነት ሕክምና
1ይ ሽኮርያብ መርፍእ ዝውጋእ ፈሳሲ ይሕከም ወይ ይመሓየሽ
2ይ ሽኮርያከኒና ብ ምውሳድ ይሕከም ወይ ይመሓየሽ


እቲ ቀዳማይ ዓይነት ሽኮርያ ዘለዎ ሰብ እቶም ኢንሱሊን ጎዲሎም ወይ ኣይፈርዩን ስለዘለዉ ብመልክዕ ምውጋእ- መርፍእ እቶም ዘድልይዎ ኢንሱሊን ይወስድ።እቲ ካልኣይ ዓይነት ሽኮርያ ዘለዎ ሰብ  ግና እቶም ኢንሱሊን ከለዉ ግናኸ ሓንጊዶም ወይ (Eng. resistent) ኮይኖም ስለዘለዉ ከኒና ብምውሳድ ግቡእ ስርሖም ከም ዝፍጽሙ ይገብሮም። ስራሕ ኢንሱሊን ከምቲ ቀዲሙ ዝተገልጸ ምሕደራ ሽኮር ኣብ ኣካልትናን ናብ ዝግብኦም ዋህዮታት ምብጻሕንዩ። ዓቀን ሽኮር ኣብ ኣካላትና ፣ንጣብ ደም ብምውሳድ ብ ንዕኡ ዝተሰርሐት መሳርሒ ይዕቀን። 

ሽኮራዊ ምብላዕ ይፍቀድ`ዶ?

ሽኮርያ ዘለዎም  ሰባት መድሃኒቶም ብግቡእ ክሳብ ዝወሰዱ፣  ከም ካልኦት ሰባት ክሉ ክበልዑ ይፍቀድ'ኳ እንተዀነ  እንተዘይበዘሐ ግን ይምረጽ። ከም ሓቂ ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት  ጽሩር ኢልዎም ምስ ዝወድቁ ሽኮራዊ ነገር ክወስዱ ይግባእ እዩ። ምውዳቕ ከየጋጥም ድማ ወትሩ ኣብ ዝኸድዎ ሽኮራዊ ክማልኡ ይግበኦም እዩ።

I BUILT MY SITE FOR FREE USING