ሓደ ካብቶም ዘገርሙ ስርዓታት ኣካል ሰብ ፡ ስርዓተ ምስትንፋስ እዩ። እታ ኣብ ምስትንፋስ ዝዓበየ ተራ እትጻወት ኦርጋን ድማ ሳንቡእ እያ። ክሳብ 1288 ድማ መስርሕ ስርዓተ ምስትንፋስ ይኹን፡ ምኽንያት ዙረት ደም ግሉሕ መግለጺ ኣይነበሮን። መስርሕ ምስትንፋስን ዙረት ደምን ብ Ibn al-Nafis    ዝተሰምየ ዓረብ-ተመራማሪ ኣብ 1288 ንመጀመርያ ግዜ ብቁዕ ምገለጺ ከም ዝቀረበ እዩ ዝእመን። እቲ ጎራጉምቲ ዝተሰምየ ክፋል ሳንቡእና (Eng. bronchi  ) ልክዕ ከም ሓንቲ ገረብ ናይ ጨናፍር ምስሊ እዩ ዘለዎም፡ ኣብቲ ጨናፍር ድማ  ብ እንግልዘኛ (Eng. alveoli) ዝተሰምየ ክፋል ተሓቚፉ ይርከብ። alveoli (ኣልቪዮላይ ) ብ ላታይን ንእሽቶ ጏንጏ ማለት እዩ። ሰባት ክልተ ሳንቡእ እዩ ዘለዎም ፡ እታ ጸጋመይቲ ሳንቡእ ንልቢ ዘድልያ ቦታ ንምግዳፍ ካብ የማነይቲ ትንእስ እያ። ምስሊ ሳንቡእ ነዚ ስዕብ ይመስል!  

ከምቲ ቀዲምና ዘተንባህናዩ  እቲ ኣብ ውሽጢ ሳንቡእ ዝርከብ ጨናፍር ጎራጉምቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣብቲ ጎራጉምቲ ድማ ኣዝዮም ንኣሽቱ  ጏንጏታት ይርከቡ፡ እቲ መስርሕ ምስትንፋስ ድማ ኣብኦም እዩ ዝካየድ።ሓደ ሰብ ኣስታት 300 ሚልየን ካብዞም ጏንጏታት ይውንን። ኣብ  ንውሽጢ ነስትንፋሰሉ ግዜ እቶም  ጏንጏታት ብ ኣየር ይመልኡ (ልክዕ ከም ንፍሒት/ባለንችና ይንፍሑ) ከም ሳዕቤኑ ድማ ሳንቡእና ይንፋሕ፡ እቶም  ጏንጏታት ብ ኣዝዩ ረቂቅ ቆርበትን ሰራውር ደምን ዝተኸቡ እዮም፡  እቲ ረቀቅ ሰራውር ደም (Eng. capillary) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ረቂቅ  ቆርበትን ሰራውር ደምን  ኣብ ምቅይያር ኦክስጅን ካርቦን-ኦክሳይድን ዓቢ ተራ ይጻወቱ። ምስሊ   ጏንጏታት-ሳንቡእን፡ ረቂቅ ቆርበትን ሰራውር ደምን ኣብዚ ዝስዕብ ስእሊ ትኸተል!       

   ኣብቲ  ጏንጏታት-ሳንቡእ ወይ (Eng. alveoli) ዝተሰምየ ክፋል ሳንቡእናን  በቲ ከቢብዎ ዝርከብ ረቂቅ ቆርበትን ሰራውር ደምን ኦክስጅንን ካርቦን-ኦክሳይድን ይሓልፉ(እቲ ግሲ ብእግንሊዜኛ  to diffuse  ይበሃል)፡ ደምና ነቲ ድሮ ኣብ ኣካላትና ዝጸነሐ ካብ ኦክስጅን ናብ ካርቦን-ኦክሳይድ ዝተቀየረ ኣየር ተሰኪሙ ናብ ሳምቡእ ይመጽእ፡ ከምብሓድሽ ድማ ኦክስጅን ተሰኪሙ ናብ መላእ ኣካልትና ይጎዓዝ ስለዚ፡ ንውሽጢ ኣብ ነስተንፍሰሉ ግዜ ኦክስጅን ንወስድ ንደገ ኣብ ነስተንፍሰሉ ግዜ ድማ ካርቦን ኦክሳይድ። እዚ መስርሕ እዚ ምስ ዘቆርጽ ድሕሪ ውሱን ደቃይቅ ሞት ክስዕብ ይኽእል።  

   ህያውያን ፍጡራት ማለት ኣትኪልቲ ፡እንስሳታት ፡ሰባት ኩሎም የስተንፍሱ እዩም ፡ እቲ መስርሕ ምስትንፋስ ግን ክፈላለ ይኽእል፡ ኣግራብ ንኣብነት ዘይከም እንስሳታት ካርቦን-ኦክሳይድ ወሲዶም ኦክስጅን እዩም ዝመልሱ። ዓሳታት ድማ ኣብ ክንዲ ሳንቡእ ነፋይ ዝተሰምየ ናይ ባዕሎም ሳንቡእ ኣለዎም። እዚ ዓነት ሳንቡእ (ማለት ነፋይ) ድማ ካብቲ ኣብ ማይ ዝርከብ ኦክስጅን ክነብሩ ይሕግዞም። ማይ ካብ ኦክስጅንን ካብ ሃይድሮጅንን ዝቆመ እዩ (H2O ፎርሙላ ናይ ማይ እዩ )። ስለዚ ነፋይ ንዓሳታት፡ ነቲ ድሮ ኣብቲ ማይ  ዝረከብ ኦክስጅን እናወሰዱ ኣብ ውሽጢ ማይ ክነብሩ የኽእሎም። 

I BUILT MY SITE FOR FREE USING