ምፍላጥ መጻኢ ኩነታት-ኣየር፡ ሰባት ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ዝሓልምዎ ትምኒት እዩ ኔሩ። ንኣብነት ኣብ ግዜ ጸሓይ ኣእካሎም ክእክቡ፡ ኣብ ግዜ ማዕበል ወደቦም ከይሓድጉ፡ ኣስጋኢ ኩነታት-ኣየር ዘስዕቦ ሓደጋታት ከወግዱ መታን፡ ምፍላጥ መጸኢ ኩነታት-ኣየር ኣብ ኩሉ ዘመናት ኣዝዩ ኣገዳስን ጠቓምን እዩ። ጥንታውያን ሰባት ኩነታት-ኣየር ንምፍላጥ ከም ሓባሪ ዝጥቐሙሉ ዝነበሩ መሳርያ ጸሓይን ንፋስን ደበናን  እዩ። ኣብ ጸሓይን ንፋስን ደበናን ሕሉፍ ተመኩሮኦምን ተሞርኪሶም መጠናውነት ኩነታት-ኣየር ይግምቱ ኔሮም። ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት ድማ መዐቀኒታት ማለት ኣኖሞሜተር፡ተርሞሜተር፡ባሮሜተር፡ሃይግሮሜተር፡ኣምብሮመተር  ተማሂዞም። እቲ ዕላማ ሓደ እዩ ፡ ንሱ ድማ ልክዐኛ ቅድመ-ምፍላጥ ናይ መጻኢ  ኩነታት-ኣየር ብዝተኻእለ መጠን  እዩ ኔሩ። እዞም ዝተጠቅሱ መዐቀኒታት ዕይኦም ከምዚ ዝስዕብ እዩ።


 ስም መዐቀኒ 

ጥቅሙ

  1. ኣኖሞሜተር

መዐቀኒ ንፋስ

  1. ተርሞሜተር

መዐቀኒ ሙቐት

  1. ባሮሜተር

መዐቀኒ ጸቕጢ ኣየር

  1. ሃይግሮሜተር

መዐቀኒ ጠሊ ኣየር

  1. ኣምብሮመተር

መዐቀኒ ዝናብ

    

ስለዚ ሰባት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም መጻኢ ኩነታት-ኣየር ንምፍላጥ ሃረርር ምስ በሉ እዮም። ኣብ ግዜና ድማ እቲ መስርሕ ሳላ ምዕቡላት መሳሪሕታት እናተመሓየሸ እዩ መጽዩ። መጻኢ ኩነታት-ኣየር ብሓደ ክውንነት ናይ ልዕሊ 85% ፐርሰንት ክፍለጥ ይኽእል።  

ምሁራት ሰነ-ኩነታት-ኣየር ወይ ናይ ስነ-ኣየር ክኢላታት፡  ናይ መጻኢ ኩነታት-ኣየር ኣቐዲምካ ንምፍላጥ፡ ዓለም-ለኻዊ ፍጥነትን ኣንፈትን ንፋስ፡ ሙቐት ፡ጸቕጢ ኣየር፡ ጠሊ ኣየር ፡ ዝናብ ይዕቅኑ። ስነ-ኣየር ክኢላታት፡  ኣብ ምድሪ ዓለምለኻዊ ዝውሰዱ ዓቐናት፡ ካብ ህዋ ማለት ሳትላይት፡ ነፈርቲ  ከምኡውን ንኸምኡ ዝተሰርሓ ባለችና (Eng. weather balloon) ኣኪብካ ብምምርማር  ምስሊ መጻኢ ኩነታት-ኣየር  ሓበራዊ መደምደምታ ክገብሩ ይኽእሉ። ዓለም ለኻዊ ባለንችን ዝስደደሎም ልዕሊ 8000 ቦታታት ኣለዉ።

እተን ባለንችና  (Eng. radiosondes) ዝተሰምያ፡ ናብ ምድሪ ድማ ሓቤሬታ ዝሰዳ፡ መዐቀኒታት ሓቚፈን ይርከባ። 

ምስ ምጥቃም ሓደስቲ ምህዞታት፡ ክውንነት ቅድመ-ምፍላጥ ናይ መጻኢ  ኩነታት-ኣየር ፡ ኣዝዩ ወሲኹ እዩ። ይኹን እንበር 100% ትኽክል ምፍላጡ ግን ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ። ምኽንያቱ ምፍላጥ  መጻኢ  ኩነታት-ኣየር ልክዕ ከምቲ ዝቁለ ፍረ-ዕምበባ እዩ። ሓዊ ምስ ሃረሞም ምዝላሎም ፍሉጥ እዃ እንተ ኾነ፡ ኣየነቲ ዕምበባ እያ ትዘልል ምፍላጥ ግን ኣሸጋሪ እዩ።   

I BUILT MY SITE FOR FREE USING