ቆርበት ሰብ፡ ሓደ ካብቶም ዘገርሙ ክፋላት ኣካል ሰብ እዩ። ቆርበትና እቲ ዝዓበየ ኦርጋን ኮይኑ ፡ ሓደ ክብደት ናይ 2.7 ክ.ግ  ድማ ኣለዎ። ቆርበትና  ካብ እግሪ ክሳብ ርእሲ ንሙሉእ ኣካልና ሸፊንዎ ዝርከብ ባህርያዊ ክዳን እዩ ክበሃል ይከኣል። ቆርበት ሰብ ማይ ፡ብርሃን፡ ባልዕ ወ.ዘ.ተ  ኣይሕልፍን እዩ። እዚ ድማ ንሕማምን ሞትን ተጠቃዕቲ ከይንኸውን ይዓዩ ። ቆርበት ድማ ተወሳኺ ከዛኒ ስብሒ ፡ ተቘጻጸሪ ሙቐት ኣካል፡ ከምኡውን ዳሕሳሲ ስምዒት-ህዋስ  እዩ። ተወሳኺ ድማ ብማይክሮብ ማለት (ባክተርያ፡ቫይረስ ወ.ዘ.ተ  ) ጥቘዓት ከይንኸውን ወይ ከይኣትውና ዝከላኸል ክፋልና እዩ። ቆርበትና ኣብ ሰለስተ ክፋል ይምቀል ። ነፍሲ ወከፍ እቲ ክፋል ድማ ዝተፈላለዩ ዋህዮታት ይርከብዎ። እቲ ብላዕሊ ቀዳማይ ክፋል (Eng. epidermis) (ኢፒደርሚስ) ወይ ድማ   ቀዳማይ ወይ ላዕለዋይ ቀጸላ ቈርበት ይስመ። ኣብዚ ቐጸላ እዚ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ካብ ዝተፈላለዩ ዋህዮታት ዝቆሙ ድርባት ወይ ቀጸላታት ይርከቡ። እቶም  ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ  ዝተፈላለዩ ዋህዮታት ካብ (Eng. epidermal stem cells) ዝተሰምዩ ዋህዮታት እዮም ዝምዕብሉ፡ እቶም  ብ (Eng. epidermal stem cells) (ኢፒደርማል ስቴም ሴልስ) ዝተሰምዩ ዋህዮታት  ቆርበትና ኣብ ኣርባዕተ ሰሙን ሙሉእ ክሕደሱ ክሳብ ዝኽእሉ ኩሉ ግዜ ሓደስቲ ዋህዮታት የማዕብሉ። እቶም ናይ ቆርበትና  ዋህዮታት ድማ ብ (Eng. keratinocytes) (ከራቲኖሳይትስ) ይበሃሉ። እቲ ምኽንያት መስመይኦም ድማ ብ (Eng. keratin )(ከራቲን) ዝተሰምየ ፕሮቲን ስለ ዘፍርዩ እዩ። ከራቲን ጽፍርናን ጾርግርናን ዝቆመሉ ፕሮቲን እውን  እዩ። እቶም ዝፈረዩ  ሓደስቲ ዋህዮታት ናብ ላዕሊ ምስ ዝግንፍሉ እቶም ድሮ ሰሪሖም ክሕደሱ ወይ ክልወጡ ዘለዎም ዋህዮታት ድማ ናብ ላዕሊ ይጉነጹ፡ እቶም ሓድስቲ ዋህዮታት ንላዕሊ ክወጹ እንከለዉ፡ እቶም ዝኣረጉ እና ነቐጹ ወይ ሓርፈፉ ናብ ላዕሊ ይድፍኡ፡ ነቶም ሓደስቲ ቦታ ንምግዳፍ ድማ ይሞቱን ይረግፉን። ቆርበት  ሓደ  ካብቶም ዘገርም መስርሕ ዘለዎም ኦርጋን ናይ ኣካላትና እዩ። ቆርበት ሰለስተ ቀንዲ ክፋላት ኣለውዎ ንሶም ድማ 

  1. Epidermis 1ይ ክፋል ቆርበት

  2. Dermis       2ይ ክፋል ቆርበት

  3. Hypodermis 3ይ ክፋል ቆርበት

ይበሃሉ ነናቶም ስራሕን ምስልን ድማ ኣለዎም ብዛዕባ ቆርበት ዝሓሸ "ኣእሙራዊ" ስእሊ ንኽህልወኻ ነዚ ዝስዕብ ምስሊ ተዓዘብ።  

  

ቆርበትና ኣብ ኩሉ ሓደ ዓይነት ንድፊ ዝሓዘለ ኣይኮነን ዝኽተል ፡ ካብ ክፋል ኣካል ናብ ክፋል ኣካል ይፈላለ እዩ። ኣብ ገለ ክፋል ብዙሕ ናይ ረሃጽ ጸምሪ፡ ውሑድ ስብሒ ወ.ዘ.ተ ዓይነታት ፍልልያት ኣለዎ እዩ። ጻዕዳ ኢድናን እግርናን ን ኣብነት እቲ ዝሮጎደ ቆርበት ዝርከበሉ ክፋል  እዩ። ብዙሕ ረሃጽ ዘፍሪ ጸምሪ ድማ ይርከቦ ካብ ካልእ ክፋልና ።እዚ ድማ ንባክተርያ ምቹእ ክፋል ይገብሮ ። እዚ ማለት ልዑል ph-level ኣለዎ። ( ph-level መዐቀኒ ደረጃ ምጸት ወይ ምምጻጽ  እዩ)። ንለብሶም ዕቡሳት ጫማታት ድሕሪ ውሱን ግዜ ብከላ ዝጅምሩሉ ምኽንያት ድማ እዚ እዩ።  


https://docs.google.com/document/d/e/2PACX-1vTP5vrwBxlYd6yEmTpHXJ0k7wEtF83nKEEAq2hXWm-Q49_px2nAp2BlNCPFQYr9Y1nAfX5a50KVOEhG/pub



I BUILT MY SITE FOR FREE USING