ኣብ 2011 ብ ሓደ ዶላር ዝተገዝአ ሓደ ቢትኮይን (Eng. Bitcoin) ኣብ 2017  19,000 ዶላር ክሽየጥ ተራእዩ እዩ። ብ ሓደ ዶላር እምበኣር  እቶት ናይ 18,999 ዶላር  ይከኣል ኔሩ እዩ። ብምኽንያት እዚ ዘገርም  ጥርዚ ናይ ዋጋ ቢትኮይን፡ ቢትኮይን ብዙሓት ዝዛረብሉ ወግዓዊ ኣርእስቲ እናኾነ እዩ መጽዩ። 

ባጤራ ክሪፕቶ ነዚ ንጥቀመሉ ጥረ-ገንዘብን መስርሕን ፍጹም ናይ ምቅያር ዓቕሚ ኣለዎ። ምቅያሩ ድማ፡ ልክዕ ከምቲ ፋይስቡክ ወይ ዋትስኣፕ ሓቤሬታ ናይ ምልውዋጥ መገድታትና ፍጹም ዝቐየሮ፡ ይምሰል።

መስርሕ ክሪብቶ-ባጤራ ንምርዳእ፡ ነዚ ንጥቀመሉ ገንዘብ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።

ጥረ ገንዘብ ወይ ውን ፊያት ገንዘብ ፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ሓንቲ ሃገር ከም መለዋወጢ ባህርያዊ ፍጡር ማለት እንስሳ ፡ ግኡዛዊ ወይ ዘይግኡዛዊ ንብረት ንኸገልግል ፍጹም ተቐባልነት ዘለዎ ከምኡ ናይታ ትጥቀመሉ ሃገር ሕታም ዘለዎ ወረቐት ወይ ሓጺን ማለት ሰናቲም እዩ። ጥረ ገንዘብ  ብርእሱ ገለ ነገር ኣይጠቅምን እዩ። ጥቅሙ ግን ኣብቲ ብእኡ ለዊጥካ ትረኽቦ ነገር እዩ ዝምርኮስ። 

 “ጥረ ገንዘብ  ብርእሱ ገለ ነገር ኣይጠቅምን እዩ” ማለት እንታይ ማለት እዩ፧

 ምስ ጠመኹም ዘለኩም ገንዘብዶ ክትበልዕዎ ፈቲንኩም ትፈልጡ ወይስ ብዘይምልዋጥ ናብ ስራሕኩም ዶ ክወስደኩም ይከኣሎ፧ መልስኹም ኖ ምዃኑ ርዱእ እዩ።  ጥረ ገንዘብ  ብርእሱ ገለ ነገር ኣይጠቅምን እዩ ማለት እምበኣር ጥቅሚ ወይ ሓይሊ ገንዘብ ኣብ ምልዋጡ ወይ እቲ ለዊጥካ ትረኽቦ ነገር እዩ ዝርከብ ማለት እዩ።

ጥንታውያን ሰባት  ብርእሱ ጥቅሚ ዘለዎ ገንዘብ ውን ይጥቀሙ ኔሮም እዮም፡ካብኣቶም ገለ ንምጥቃስ ወርቂ፡ጨው፡ብሩር፡ ታባክ ወ.ዘ.ተ።

እዚ ንጥቀመሉ ገንዘብ ግና በንጻሩ ግኡዛዊ ወይ ዘይጉዛዊ ንብረት ንምልውዋጥ ጥራይ እዩ ዘገልግል።ህላውነት ገንዘብ ኣብ ግዜና ዘይንሓተሉ ልሙድ ክፋል ሕብረተሰብ እዩ።ነቲ ባጤራ ክሪፕቶ ንምርዳእ ነዚ ንጥቀመሉ ግንዘብ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ግዜ ገንዘብ ምስዳድ ይኹን ምቅባል ሰለስተ ኣካል እዮም ዝሳተፉ። ነቲ ንጥቀመሉ ባጤራ ዝሓትምን ዝቆጻጸሮን ድማ ሃገራዊ ትካል ወይ ኩባንያ ኣሎ።

ስለዚ ኣብ ግዜና ንጥቀመሉ ገንዘብ እምበኣር ብዘይ እዞም ዝተጠቅሱ ታሳተፍቲ ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ።ን መሃዝቲ ባጤራ-ክሪፕቶ ሓድሽ ባጤራ ንምምሃዝ ዝደረኾም ምኽንያት እምበርኣር እዚ እዩ። ነዚ ንጥቀመሉ ገንዘብ ተኪኦም ባዕልና ማለት ብዘይ ሳልሳይ ወይ ራብዓይ ኣካል ንጥቀመሉ ገንዘብ ምምሃዝ እዩ ዕላምኦም። ብኻልእ ኣዘራርባ ነቲ ገንዘብ ካብ ባንክን ሃገርን መንዚዖም ሰዳድን ተቀባልን ዝቆጻጸርዎ ገንዘብ ንምፍጣር እዩ ዕላምኦም።

                         ፍልልይ ባጤራ-ክሪፕቶ ምስ ናይ ግዜና ገንዘብ 

ባጤራ-ክሪፕቶ

ፊያት ገንዘብ

ክትሕዞ ትኽእል ሳንቲም ወይ ቅርሺ ኣይኮነን

ሰናቲም ወይ ወረቐት ገንዘብ ኣለዎ

ጥቕሙ ብመገዲ ኢንተርነት ጥራይ እዩ

ኣብ ኢንተርነትን ከምኡ ውን ብጥርኡ ክትጥቀመሉ ትኽእል

እቲ ዝነኣሰ ክትቅበሎ ወይ ክትሰዶ ትኽእል ብዝሒ ገንዘብ 0,00000001 ሳንቲም እዩ 

እቲ ዝነኣሰ ክትቅበሎ ወይ ክትሰዶ ትኽእል ብዝሒ ገንዘብ 0,01 ወይ ሓደ  ሳንቲም እዩ

ብ ሰዳድን ተቀባልን ጥራይ እዩ ዝመሓደር

ሃገር፡ ባንክ፡ ሰዳዲ ፡ተቀባሊ ክሳተፉ ኣለዎም

  

ባጤራ-ክሪፕቶ blockchain-technology ዝተሰምየ ዓይነት ስይስተም ይጥቀም። ባጤራ-ክሪፕቶ ንመንግስትታት ኣስጋኢ ከይኮነ ኣይተርፍን ፡ እቲ ምኽንያት ድማ እቲ ዘለዎም ስልጣን ኣብ ልዕሊ እዚ ንጥቀመሉ ገንዘብ ስለ ዝምንዛዕ እዩ። ሃገራት እቲ ኣብ ግዜ ቁጠባዊ ጽንኩር ኩነታት፡ ከም መፍትሒ ዝጥቀማሉ መሳርሒ ድማ እዚ ስልጣን እዚ እዩ ኔሩ።    

I BUILT MY SITE FOR FREE USING