የእሙሮና/ሓንጎልና እቲ ናይ በሓቂ ምስሉ ከፊትካ ምስ እትሪኦ ዝምስጥ መልክዕ የብሉን። ካብ መትኒ ዋህዮታት ዝቆመ ድማ እዩ። ክብደት የእሙሮ ናይ ሓደ እኩል ሰብ ክሳብ 1,5 ኪ.ግ ክኸውን ይኽእል። ኣስታት 3% ናይ ሙሉእ ኣካልና ክብደት ድማ ሓቘፉ ይርኸብ። የእሙሮና ካብቲ ንበልዖ መግቢ፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 140 ግራም (Eng. Glucose )ግሉኮውዝ ዝተባህለ ዓይነት ሽኮር  ይውድእ።ተወሳኪ ድማ ኦክስጅን ኣዝዩ የድልዮ።

የእሙሮና ቀዳማይ  ካብቶም ክትርድኦም ኣሸገርቲ ዝኾኑ ፍጥረታት እዩ። ይኹንበር ብብዙሓት ጸሓፍቲ ፡ፍላስፋታት፡ተመራመርቲ  ወ.ዘ.ተ  መስርሕን፡ኣፈጣጥራን የእሙሮ ንምርዳእ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዓቢ ጻዕሪ ተኻይዱ እዩ። እቶም ቀንዲ መበገሲ ሕቶታት ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስሉ “ኔሮም”፦

  1. የእሙሮና ብኸመይ እዩ ናይ ሕሉፍ ተመኩሮታት፡ሓቤሬታ፡ሓቘና ዝኽዝን፧  

  2. መስርሕ ምዝካር ናይ ኣብ ሕሉፍ ዝተኸዘነ፡ ተመኩሮታት፡ሓቤሬታ፡ሃቐና ከ እንታይ ይመስል፧

  3. የእምሮና ስለምንታይ ይርስዕ፧

  4. የእምሮና ብኸመይ እዩ ነቶም ኣካላዊ መስርሓት ዘካይዶም/ዝቆጻጸሮም፧ እዚ ማለት ምሕቃቅ መግቢ፡ምስትንፋስ፡ህርመት ልቢ ወ.ዘ.ተ!

ካብዝን ነዚ ብዝመስል ሕቶታትን ተደሪኾም እምበኣር፡ ብዙሓት ምስጢር የእምሮ ንምቅላዕ ጽዒሮም እዮም።

የእምሮና ብኤለክትሪካዊ መገዲ እዩ፡ ሓቤሬታ ዘመሓላልፍ። እቲ  ብ (Eng. nerve system) ዝተሰምየ ክፋል የእምሮና ካብ  ንዩውሮን ዝተሰምዩ ዋህዮታት ዝቆመ እዩ። እቶም ንዩውሮን ዝተሰምዩ  ዋህዮታት ብከሚካላውን ኤለክትሪካውን መንገዲ እዮም ሓበሬታ ዘሕልፉን ነንሕድሕዶም  ዝተሓላለፉን። ናይቲ ኣብ የእምሮ ዝካየድ ኤሌክትሪካዊ መልአኽቲ ድማ ብምዕቡላት መሳሪሒታት ክንዕዘቦ ንኽእል። 

 ኣብነት-መስርሕ የእምሮ ከምዚ ጌርካ ከም ዝርአ ክግበር ይከኣል

                               

               MRI-ዝተሰምየት  መሳርሒት ወይ Computed tomography ዝተባሉ መሳሪሕታት መስርሕ የእምሮ ኣብ ምምማር ይሕግዙ 

Camillo Golgi ዝተባህለ ኢታላዊ ተመራማሪ በቲ ኣብ 19 ክፍለ-ዘመን ዘካየዶ መርመራ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት፡ ተመራመርቲ ናይ ኣእምሮ ክኸውን ኣብቂዕዎ እዩ።ነቶም መልአኽቲ ተሰኪሞም ዝኸዱ ዋህዮታት ሕብሮም ብምቅያር ካብ መጀመርያ ጉዕዘኦም ክሳብ መወዳእታ ክከታተሎ ክኢሉ።

Santiago Ramón y Cajal ዝተሰምየ ስጳኛዊ ውን ነቲ ናቱ መርመራታት ከም ዝቐጸሎ ይፍለጥ። ኣብ ምቅጻሉ ከም ዘለለዮ ድማ ኩሎም መትንታት የእምሮ፡ ብዘይ ገለ ነገር ኣብ መንጎኦም “direct” ዘይተራኸቡ ምዃኖም እዩ። ኣብ መንጎ ክልተ መትንታት የእምሮ ኩሉ  ግዜ መንጎኛ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ብ  (Eng. synapse)(ሳይናፕስ) ተባሂሎም ይጽውዑ።እዚ ኣብ ግዜ ሓቤሬታ ምቅባል ወይ ምስዳድ ናይ መትኒ ዓቢ ተራ ይጻወት። ምስሊ ሓደ ዋህዮ ናይ መትኒ ነዚ ዝስዕም ይመስል።           

ከምዚ ዓነት ምስሊ ዘለዎም ናይ መትኒ ዋህዮታት ኣስታት 100 ቢልየን ምብዘሖም ኣብ የእምሮ ሓደ ሰብ ከም ዝርከቡ ይእመን። ንየእምሮ ሰብ መስተንክር ዝገብሮ 1ይ ዘለዎ ክእለት ናይ ምምሃር እዩ። 

ሓድሽ ነገር ምስ እንመሃር እት መስርሕ ኣብቲ (Eng. synapse)(ሳይናፕስ) “ላዕለዋይ ስእሊ ረአ! ላ.ስ.ረአ”  ዝተሰምዩ ክፋል ናይቶም ዋህዮታት እዩ ዝካየድ።(ሳይናፕስ) ኤለክትሪካዊ -ምልክት ካብ ሓደ ናይ መትኒ ዋህዩ ናብ ካልእ ዝመሓላለፈሉ ቦታ እዩ። እቲ መስርሕ (Eng.  synaptic plasticity) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓድሽ ኣብ ንመሃረሉ ግዜ ናይ መትንና ዋህዮታት ወትሩ ኣብ መጨረሽታ (ሳይናፕስ) ዝተሰከሙ  ጨናፍር የውጽኡ፡ብኸምዚ ድማ ነቲ ዝተመሃርናዩ ሓቤሬታ ይኽዝንዎ። ጠቅላላ ድማ ኣብ 3 ዝኽፈሉ ዓይነታት/መስርሓት ምምሃር ኣለዉ።

  1. Ultrashort-term memory-ኣመና ሓጺር ዕምሪ ዘለዎ ሓቤሬታ

  2. Short-term memory-ሓጺር ዕምሪ ዘለዎ ሓቤሬታ

  3. Long-term memory-ነዊሕ ዝጸንሕ ዕምሪ ዘለዎ ሓቤሬታ

1ይ ደረጃ ምዝካር 

እዞም 3 ደርጃታት  ናይ ምዝካር ክእለት፡ መዓልታዊ እዮም ዝገጥሙና። መጀመርያ በቶም 5 

ህዋይሳት-ስምዒትና ሓቤሬታ ናብ የእምሮ ይኣቱ፡ ኣብቲ ዝመጽእ ክልተ ደረጃታት ድማ እቲ ሓቤሬታ ወይ ይርሳዕ፡ ይዝከር/ዳግማይ ይልለ። የእምሮና እዚ ዓይነት ክእለት እንተ ዘይህልዎ ሓደ ግዜ ዝርአናዮም/ንፈልጦም ነገራት፡ሰባት፡እንስሳታት ወ.ዘ.ተ እና ክንሪኦም ከም ዘይንፈልጦም ምኾኑና። እዚ ደረጃ እዚ ክሳብ 20 ሰከንድ ክወስድ ይኽእል፡ እቶም ብስምዒት ህዋስ ናብ የእምሮ ዝኣተዉ ሓቤሬታታት ኣብ ውሽጢ 20 ሰከንድታት ኣቅልቦና ምስ ዝረኽቡ ወይ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተዘኩሮታት ምስ ዘየለዓዕሉ፡ይርስዑ እዮም። በዚ መገዲ እዚ ድማ እቲ ዘየድሌኛ ሓቤረታ እና ተጻርየ ዘድሌና ጥራይ ክንዝክር ንኽእል። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብ ግዜ ምምራሕ ሞገዓዝያታት፡ ወይ ሓደጋ ንኣብነት ነቲ ብጎድንኻ ዘሎ ኩሉ ብምርሳዕ ኣብቲ ዘጋጥም ዘሎ ህሞት ኢኻ ተተኩር፡ ስለዚ እቲ ቀዳማይ ደረጃ እምበኣር ምንፋይ ሓቤሬታ ብኣገዳስነቱን ንህቦ-ኣቅልቦን እዩ።

2ይ ደረጃ ምዝካር

ኣብቲ ካልኣይ ደረጃ ድማ እቲ ካብ 1ይ ደረጃ ዝመጸ  ኣቅልቦ ዝሃብናዩ ፡ዝነበረና ተዘክሮ ዘለዓዕል  ሓቤሬታ ንንንውሕ ዝበለ ግዜ (ንሰዓታት) ተኸዚኑ ክጸንሕ ይኽእል። እቲ ካልኣይ ደረጃ እምበኣር ሓቤሬታ ምቅባልን  ምስ ኣከባቢና ኣብ ምርድዳእን ይሕግዘና።

3ይ ደረጃ ምዝካር

 እቲ 3ይ ደረጃ ድማ ብተደጋጋሚ ዝተመሃርናዮም ሓቤሬታታት፡ፍጻሜታት፡ክእለታት ወ.ዘ.ተ ይኽዝን። 3ይ ደረጃ ናይ ምዝካር ክእለት እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ይእመን። ሓንሳብ ዝተመሃርናዮም ብዘይ ምሕሳብ ክንገብሮም ንኽእል ነገራት ቦተኦም ኣብ 3ይ ደረጃ እዩ። ንኣብነት  ሳይክል ምዝዋር፡ ምሕንባስ ፡መሳርያ ሙዚቃ ምጽዋት ወ.ዘ.ተ  ኩሉ ሓንሳብ ብጻዕሪ ምስተመሃርናዮም ኣብቲ 3ይ ደረጃ  ስለ ዝመጹ ዳግማይ ምምሃሮም ኣየድልን።ስለዚ ሳላ እቲ 3 ደርጃ  ናይ ምዝካር ክእለት፡   ሳይክል ምዝዋር፡ ምሕንባስ ፡መሳርያ ሙዚቃ ምጽዋት ወ.ዘ.ተ  ሓንሳብ ዝተማህርዎም ሰባት ኣብ ዝመጽእ ከመይ ከም ዝግበር ከይሓሰቡ እዮም ነቲ ነገር ዝገብርዎ።   


I BUILT MY SITE FOR FREE USING