ኣየነይ ሕብሪ- (1)ቆርበት (2) ዓይኒ (3)ጾግሪ ወ.ዘ.ተ  እዩ ዝመልክዐ ዘካትዕ እዩ። ስለምንታይ እዩ ዝተፈላየ መልክዕ ዘለና ንምርዳእ ግን ኣይከብድን እዩ። ስለምንታይ እዩ መልክዕና ዝፈላለ፧ ሰለምንታይ እዮም ገለ ሰባት ምስ ሕማሞም ዝውለዱ፧ ሰለምንታይ እዮም ባህርን መልክዕን ስድራ  ናብ ደቆም ዝሓልፉ፧ ስእሊ ስድራኻ ብደቂቅ ተዓዘብ! ስለምንታይ እዮም ስድራኻ ክፋል-ምስልኻ ዘለዎም ግናኸ ሙሉእ ምስልኻ ዘይብሎምን፧  እዚ ሕቶታት ሰባት ካብ ዝህልዉ ዝሓተትዎ ሕቶ እዩ። ሰባት ቅድሚ ኣሻሓት ዓመታት ፡ ባሀርን ምስልን  ወለዲ ናብ ደቆም ክሓልፍ፡  እንስሳታት ፡ ዝተዘርኡ ኣትክልቲ ውን ምስሎምን  ባህሮምን ናብቲ ዝዒቡ ዝመጽእ ሓድሽ ዘርኢ ከም ዘመሓላልፍዎ ተዓዚቦምዎ  እዮም። ስለምንታይ እዩ ዝኸውን  ንምግላጹ ግን ኣይክኣሉን ። እቲ  መልሲ ቅድሚ 150 ዓመታት  እዩ ክርኸብ ዝኸኣለ።   

ከምቲ ድሕሪ ነዊሕ ምርመራ ዝተረኽበ፡ እቲ ምኽንያት፡ ኣብቲ ካብ ወለዲ ናብ ውሉዳት ዝመሓላለፍ ብሕጽረተ ቃል እንግሌዜኛ  ( DNA=deoxyribonucleic acid   ) ዝፍለጥ ፡ህያውያን ፍጡራት"(ሰብ ፡እንስሳታት ፡ኣትክልቲ ) "ነቶም ካብኦም ዝተወልዱ  መልክዖም፡ ባህሪኦም  ወ.ዘ.ተ ዘውርስሉ ባህርያዊ መገዲ/መስርሕ እዩ። 

ኩሎም ህያውያን ፍጡራት ማለት ሰብ ፡እንስሳታት ፡ኣትክልቲ፡ ባክተርያ፡ ቫይረስ   RNA/DNA ኣለዎም። DNA ንድፊ ወይ ሓቤሬታ እዩ። እዚ ማለት ንኣብነት ሓደ ሰብ ቁመቱ፡ ሕብሪ (1) ቆርበቱ፡ (2) ዓይኑ፡ (3) ጸግሩ ከመይ ክመስል ከም ዘለዎ ኣብ DNA እዩ ተጻሒፉ ዝርከብ፡ ኣብ   እንስሳታት ፡ኣትክልቲ ውን ልክዕ ከምኡ። በዚምኽንያት DNA ንድፊ ሂወት ተባሂሉ ውን ይጽዋዕ እዩ። ዓይነት ደምካ ፡ ሕብሪ ቆርበትካ/ዓይንኻ፡ ቁመትካ ውሱናት ሕማማት ወ.ዘ.ተ ካብ ስድራኻ ትወስዶም ባህርያውያን ውርሻታት እዮም። ይኹንእምበር  ካብ ስድራኻ ዘይትወርሶም ነገራት ውን ኣለዉ እዮም፡፡ 

ኩሎም ህያውያን ፍጡራት ካብ ዋህዮታት ዝቆሙ እዮም። ገለ ካብኣቶም ካብ ሓደ ዋህዮ ዝቆሙ እዮም፡ ንኣብነት ባክተርያ። ካብ ሓደ ዋህዎ ዝቆሙ ፍጡራት ብ እንግ.(እንግሊዜኛ)  single celled ይበሃሉ። በንጻሩ  ካብ ብዙሓት ዋህዮታት ዝቆሙ ፍጡራት ድማ ንኣብነት ሰብ፡እንስሳ፡ ብ እንግ.(multicellular organisms) ይብሃሉ።

ን ኣካል ሰብ ከም መርዳእታ ንውሰዶ፦ ኣካል ሰብ ካብ 100 ትርልየን ዋህዮታት ዝቆመ እዩ። እዚ ሓደ 100 ምስ 12 ዜሮ እዩ። ኩሎም ዋህዮታትና ሓደ ዓይነት ኣፈጣጥራ/ኣሰራርሓ እዩ ዘለዎምም። ንዝሓሸ መረዳእታ ነዚ ዝስዕብ ምስሊ ሓደ ዋህዮ ተዓዘብ /////

   

 

                                                       ክፋል ዋህዮ                              ዕዮ
plasma mebraneላዕለዋም ክፋል ዋህዮ እዩ፦ንውሽጣዊ ክፋል ዋህዮ ድማ ይከላኸል፣ዘድሊ/ዘይድሊ ጸዓት ካብ ውሽጢ ዋህዮ ክኣቱን ክወጽእን ይገብር
lysosomeከም ኣብ ውሽጢ ዋህዩ ዘሎ መሕቀቂ  ጸዓት ይዓዩ
mitochondriaነቲ ዋህዮ ዝኸውን ጸዓት ኣብ ምፍራይ ይዓዩ
Endoplasmic reticulumከም መመሓላለፊ ጽርግያ ናይ ዋህዮ ዘገልገል ክፋል ዋህዮ
nucleusDNA ሓቚፉ ዝርከብ  ሕመረት ዋህዮ


ብዘይካ ቀያሕቲ ዋህዮታት ሰብ፡ ኩሎም ዋህዮታት ብ እንግ. (nucleus)  ዝተሰምየ ሕመረት ኣለዎም። እዚ ሕመረት ድማ DNA ሒዙ ይርከብ። እቲ  DNA ድማ ካብ  ክሮሞዞምስ እንግ. (chromosomes ) ዝቆመ እዩ።

 DNA ንድፊ ወይ ሓቤሬታ እዩ። ካብ ክሮሞዞምስ ዝቆመ  ውን እዩ፡ እቶም  ክሮሞዞምስ ድማ እቲ ሓቤሬታ ወይ ጅን ተሰኪሞሞ ይርከቡ፡፡ እቶም ጅን ወይ ሓቤሬታ ብከሚካላዊ ባእታታት ዝቆሙ እዩም፡ እቶም ክፋላት ድማ 4 እዮም እንግ. (DNA- base pairs) ። DNA ብሚክሮስኮፕ ጥራይ ዝርአ ወትሩ ዝጠዋወ ኣሳካላዊ ምስሊ ኣለዎ!


እቶም ኣርባዕታ ክፋላት ናይ DNA (1) cytosine (2) thymine (3) adenine (4)  guanine ይበሃሉ፡ ነናቶም መጋጥምቲ ጽምዲ ድማ ኣለዎም።

 thymine ምስ adenine ይገጥም

 cytosine ምስ guanine ይገጥም

እቲ ሕቶና ፡ ወለዲ ከመይ ጌሮም እዮም መልክዖም፡ሕብሪ ቆርበቶም፡ ዓይኖም፡ ጾግሮም ፡ግዝፊ ኣካላቶም ንውሉዶም ዘመሓላልፍሎም፧ እዮ። ኣብ ፈሳሲ ሓደ ሰብኣይ 23-ጽምዲ ክሮሞዞምስ እንግ. (chromosomes ) ይርከቡ ኣብ እንቛቘሖ  ሰበይቲ ድማ ከምኡ። እቶም  ክሮሞዞምስ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ሓቤሬታ ዝሓዙ እዮም። እዚ ማለት መልክዖም፡ ቁመቶም፡ ሕብሪ ቆርበቶም፡ ሕብሪ ዓይኖም፡ ጾግሮም ወ.ዘ.ተ። እታ ሰበይትን እቲ ሰብኣይን ምስ ዝራኸቡ ድማ፡ እቲ ኣብቲ ፈሳሲ ሰብኣይ ዝርከቡ 23-ጽምዲ ክሮሞዞምስ ከምኡውን ኣብ እንቛቘሖ  ሰበይቲ ዝርከቡ 23-ጽምዲ ክሮሞዞምስ ብሓባር ምስ መኸኹ፡ስዒቡ ጽግያት ከምኡውን ድቂ  ምዕባለ ቆልዓ ይጅምር ። 

ዘክር//// ክሮሞዞምስ በቲ ዘለዎም ምስሊ እዮም ብጽምዲ ዝቑጸሩ፡ 23x2 ስለዚ ጠቅላላ ድማ 46 ክሮሞዞምስ  ኣለዉና ማለት እዩ።  

ጸታዊ ክሮሞዞም ፦ ኣብ ሰብኣይ እቲ ናይ መጠረሻ  ናይቶም 23-ጽምዲ ክሮሞዞምስ  x+y ክኸውን ከሉ ኣብ ሰበይቲ ግን x+x እዩ። ኣብ ግዜ ርክብ x ክሮሞዞም ናይቲ ሰብኣይ  ምስ  x ክሮሞዞም ናይታ ሰበይቲ ምስ ዝራኸብ፡እታ ውላድ ጎል እያ ትኸውን።  x  ክሮሞዞም ናይቲ ሰብኣይ ምስ y ክሮሞዞም ናይታ ሰበይቲ ምስ  ዝራኸብ ግና፡ እቲ ውላዶም ወዲ እዩ ዝኸውን። ስለዚ ውሉዳት እምበኣር ፍርቂ ሰብኣይን ሰበይትን እዮም ክበሃል ይከኣል። ስለዚ ድማ ሙሉእ ምስሊ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ጥራይ የብሎምን ሕውስዋስ እዮም። 

I BUILT MY SITE FOR FREE USING