ምጥውዋይ ጅን ወይ ድማ ብእንግልዜኛ (genetic manipulation) እቲ ቃል ከም ዘተምብሆ ምጥውዋይ ባህርያዊ ውርሻ/ጅን  ናይ ሰባት፡እንስሳ፡ ኣትክልቲ ዘጠቓለለ እዩ። ምጥውዋይ ጅን ማለት ብሰብ ዝግበር ምቅያር እቲ ባህርያዊ   DNA እዩ። ጅን ወይ ድማ  DNA (ኣብ ሰባት) እቲ ብ 23-ጽምዲ ክሮሞዞምስ ካብ ወለድኻ ዝውረስ ባህርያዊ ውርሻ እዩ።( ብዛዕባ  DNA ዕሙቅ ዝበለ ምፍልጠት ምስ ትደሊ፡ ነዚ link ብምጥዋቕ ነቲ  ዝስዕብ ጽሑፍ ኣንብብ )። ምጥውዋይ-ጅን ናይ ጥንቲ ሰባት ውን ይገብርዎ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ፡ ሰባት፡  ክልተ “ጽቡቓት” ተባዕታይን ኣንስተይትን እንስሳ እቲ ጽባቄኦም ወይ ቅርጺ ኣካሎም ናብቲ ውሉዶም ከም ዝሓልፍ፡ ከምኡ ውን ጽቡቅ ዘርኢ ሓሪኻ ምዝራእ ፡ ነቲ  ድሒሩ ዝመጽእ እቶት  ብ ኣወንታዊ ከም ዝጸልዎ፡  ካብ ጥንቲ ይርድእዎ ኔሮም ተጠቂመሙሉ ውን እዮም። ኣብ ዘመና ድማ ብዝበለጸ ተክኒካዊ ክእለትን ፍልጠትን፡ እቲ ምጥውዋይ ጅን  እናማዕበለ  ኣብ ኢቲካዊ-ኣስጋኢ ጥርዚ በጺሑ ይርከብ። እዚ ግን ብኸመይ እዩ ዝካየድ፧ እቲ መስርሕ ንኽትርድኦ ቀሊል እዩ። ኩሎም ህያውያን ፍጡራት ማለት ሰብ፡ እንስሳ፡ ኣትክልቲ  ብ DNA ወይ ጅን ዝፍለጥ ኩሉ ሓቤሬታ ኣካሎም ዝርከበሉ ኮድ(code) ይውንኑ እዮም፡ (DNA በዚ ምክንያት ንድፊ ሂወት ውን ይስመ እዩ)። እቲ ኮድ ን ቁመት፡ግዝፊ፡መልክዕ፡ ባህርያት ወ.ዘ.ተ ዝምልከት ሓቤሬታ እዩ ሓቚፉ ዝርከብ። ሰባት ድማ ነቲ ኮድ ብምቅያር ቁመት፡ግዝፊ፡መልክዕ፡ ባህርያት ወ.ዘ.ተ  ናይቲ ሰብ፡እንስሳ፡ተኽሊ  ከም ዝደለይዎ ክውስኑ ይኽእሉ። ነዚ ኢና ድማ ምጥውዋይ ጅን ኢልናዩ ዘሎና።   

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሕ ምዕባለን ምምሕያሽን ስነ-ሕርሻ ተራእዮ እዩ። ናይ ኣትክልቲ ከምኡ’ውን እንስሳታት  ጅን ወይ DNA ብ ምቅያር፡ እቶም ኣትክልቲ ወይ እንስሳ ብበላዕቲ ንኣብነት ሓሳኹ፡ ባልዕ ከም ዘይጥቅዑ ክግበር ተኻኢሉ እዩ። መቐረት ፡መልክዕ፡ ናይቲ ባህርያዊ ተኽሊ ወይ እንስሳ፡ ዕብየቱ፡ ብውሑድ ማይ ከም ዝዓቢ ( ኣትክልቲ  )  ወ.ዘ.ተ ምግባር ካብ  90ታት ጀሚሩ ሓድሽ ኣይኮነን። እዚ ዝተጠቅሰ ጥቅምታት ድሕሪ ምፍላጥ፡”ሞ ምጥውዋይ ጅን ድኣ ዓቢ ጥቅሚ ዩ ዘለዎ  ” ክበሃል ይከኣል። ብርግጽ ጥቅምታት ውን ኣለዎ እዩ። ንሱ ድማ ብበላዕቲ ዘይጥቅዑ ኣትክልቲ ወይ ውሑድ ማይ ዘድልዮም፡ ጻህያይ ዘየሰንፎም፡ ብዙሕ እቶት ዘለዎም፡ ንኽትበልዖም ምቁራት ኣትክልቲ እዩ። ኣብ እንስሳታት ድማ ተመሳሳሊ ብ ቫይረስ ወይ ባክተርያ ዘይጥቅዑ፡ ንማሕረዲ ቀልጢፎም ዝኣኽሉ፡ ወይ ዝባዝሑ ወ.ዘ.ተ እንስሳታት ምግባር እዩ። እዚ ኩሉ  ኣብ ኣትክልትን እንስሳ ክንገብሮ ንኽእል መቐይሮታት እቲ  (Eng. genetic engneering) (ጅነቲክ-ኢንጅኔሪንግ) ዝተሰምየ ዓውዲ ስነ-ፍልጠት እዩ ዘብቅዓና። ተወሳኺ ድማ ንሰባት ብተደጋጋሚ ዘጥቅዑ  ሕማማት ንኣብነት ካንሰር  ን ምሕዋይ ከምኡ’ውን ዝተሓላለኹ ገበናት ኣብ ምፍታሕ  ይጠቅመና። እቲ “ ኣብ ኢቲካዊ-ኣስጋኢ ጥርዚ በጺሑ ይርከብ።” ዝበልናዩ ድኣ እንታይ እዩ፧ እቲ መልሲ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፦ እቲ genetic engneering (ጅነቲክ-ኢንጅኔሪንግ) ዝተሰምየ ዓውዲ ስነ-ፍልጠት፡ ልክዕ ከምቲ ነትክልትን እንስሳታትን መልክዖም፡ ባህሮም ንቅይረሉ፡ እቲ ክእለትን ፍልጠትን ኣብ ሰባት ውን ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ኣስጋኢ ይገብሮ፡ ሕሰብሉ! ድቂ ከለኹም ኣብ ከብዲ ኣደ መልክዕኩም፡ዝህልወኩም ባህርያት፡ ቁመትኩም ፡ ግዝፍኹም ወ.ዘ.ተ ሰባት እንተ ዝቅይርዎ እንታይ ምበልኩም፧ ብርግጽ ንም ቀሊል ሕቶ ኣይኮነን፡ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኣብ ሰባት ዝኾነ ጀነቲካዊ መቐይሮታት ከይግበር ክልኩል እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ሓላፍነት ዘይስምዖም ሰባት ምስ ዝበጽሕ፡ እቲ ፍልጠትን ክእለትን ንኹፉእ ከይጥቀሙሉ ዓቢ ስግኣት እዩ ዘሎ። ዶቡ ናይዚ ምዕባለ ኣበይ እዩ፧ ነቶም ድሮ ዝርከቡ እንስሳታት፡ኣትክልቲ’ኸ ብ ጀነቲካዊ ዝተቀየሩ እንስሳታት፡ኣትክልቲ  ተኪእና ከነጥፈኦም ይፍቀደና ድዩ፧ እቲ ፍልጠትን ክእለትን ድሮ ተረኺቡ ኣሎ እዩ፡ እቲ ሕቶ ብኸመይን ንምንታይ ዕላማ  ንጥቀመሉን እዩ።  

          

I BUILT MY SITE FOR FREE USING