ብርሃን፡ እንታይ ምኯኑ ዘይንሓተሉ ፡ ልሙድን ርዱእን ክፋል ምዓልታዊ ሂወትና እዩ። ንሙኯኑ ግን ብርሃን እንታይ እዩ፧ ጽባቐታት ዓለምና ብዝተፈላለየ ሕብርታት ክነስተማቅርን፡ ክንርዳእን፡ ምንቅስቃስ ኣብ ዘድልየሉ ድማ ፡ ኣብ ምርኣይ ተሞርኪስና  ነቲ ዝመደብናዩ ክንገብር ዝሕግዘና  ብርሃን እዩ። 


ብርሃን፡ ኣብቲ ንደቂ ሰባት ንመዋእል ከሰንዮም ዝርከብ መጽሓ-ቅዱስ ውን ብምሳልያዊ መረድኢ ኣብ ብዙሕ ቦታት ይርከብ እዩ። ንኣብነት ኣብ  ወ.የሐንስ 8፡12 ተኸተል። ብርሃን   ብመልክዕ  ኤለክትሮ-ማግኔታዊ ጩራ ጸዓት ዝፍኖ ወትሩ ድማ ምንጪ  ዘለዎ ጸዓት እዩ። እቲ ምንጪ ባህርያዊ ንኣብነት  ጸሓይ ወይ ድማ ሰብኣዊ ማለት ልቺ ክኸውን ይኽእል። ብርሃን ካብቲ ምንጪ ብመልክዕ ማዕበል እዩ ዝፍኖ፡ ልክዕ ከምታ ናብ ሃዲኡ  ዝርከብ ማይ ትስንዶ እምኒ፡ ተስዕቦ ከቢብ ንእሽቶ ማዕበል ይመስል።


ኤለክትሮ-ማግኔታዊ ጭራ ዝተፈላለየ ዕብየት ማዕበል ክህልዎ ይኽእል። እቲ ዝርአ ብርሃን ድማ ሓደ ካብ 400 ክሳብ 700 ናኖሜተር(nanometers ) ዝዕብየቱ ማዕበል ኣለዎ፡("ንመረዳእታ" 1 ሚሊ-ሜተር  ሓደ ሚልየን ናኖመተር እዩ)። እቲ ዝርአ ብርሃን ሓደ ንእሽቶ ክፋል ናይቲ  ኤለክትሮ-ማግኔታዊ ጩራ ወይ ዝርጋሐ-ጩራ  እዩ። ብእንግሊዜኛ ድማ  electromagnetic-spectrum ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይ ዝርጋሐ-ጩራ ንደቂ ሰባት ኣይረኣዮምን እዩ። visible light/spectrum  እቲ ክንሪኦ ንኽእል ክፋል ብርሃን እዩ። gamma rays x-rays , UV infrared,  micro-wave,  radio-wave, ክፋል እቲ ኤለክትሮ-ማግኔታዊ ጭራ ወይ ዝርጋሐ-ጩራ ክንሶም ኣይረኣዩን እዮም። ንመረዳእታ ነዚ ዝስዕብ ስእሊ ተኸተል!

      

ከምከም ዕብየት ናይቲ ማዕበል-ብርሃን  ዝተፈላለየ ብርሃን ንርኢ። ሓደ ብርሃን ብ ፕሪዝም ምስ ዝሓልፍ ኣብ ዝተፈላለየ ሕብሪ ይመቓቐል፡ ፕሪዝም ንብርሃን ካብ ሕብሪ ቀስተ ደመና ክፈላሊ ዝኽእል ስሉስ ኩርናዓዊ ቅርጺ እዩ። ነዚ ዝስዕብ ምስሊ ረአ! 

 እቲ ብርሃን ምስተኸፋፈለ ካብ ብዙሕ ዓይነት ሕብርታት ከም ዝቆመ ክንርኢ ንኽእል፡ ቀስቲ ወይ ድማ ብ ቅናት-ማርያም ዝፍለጥ ድሕሪ ወይ ኣብ ማይ ዝሃርመሉ ግዜ ዝርአ  እቲ ዝተፈላለየ ሕብሪ  ድማ ምንጩ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡ ጸሓይ ኣብ ትወቅዓሉ ግዜ ማይ ድማ ምስ ዝሃርም እቲ ካብ ጸሓይ ዝመጽእ ብርሃን በቲ ማይ ይስበር፡ እቲ ማይ ልክዕ ከምታ ፕሪዝም ኮይኑ የገልግል፡ እቲ ብርሃን ጸሓይ ድማ ዝተፈላለየ ብርሃኑ ይህብ! ስለዚ ብርሃን ጸሓይ ወይ ድማ ካልእ ብርሃን እምበኣር ጻዕዳ ኮይኑ ይርኣየና  ግናኸ ዝተፈላለየ ሕብሪታት እዩ ዘለዎ።

 

ነቲ ሕብርታት ናይ ዝርአ ብርሃን ምስ ዕብየት ማዕበሉ ንምፍላጥ፡ ነዚ ዝስዕብ ሰሌዳ ተኸተል! ዘክር nm እቲ ናኖ-ሜተር ዝተባህለ መዐቀኒ እዩ። እዚ ዝስዕብ ሕብርታት ኣብ ውሽጢ እቲ ጻዕዳ ኮይኑ ዝርኣየና ብርሃን እዩ ዝርከብ። 

ሊላ380 ክሳብ   430 nm
ሰምያዊ430 ክሳብ   490 nm 
ቀጠልያ490 ክሳብ   570 nm
ብጫ570 ክሳብ   600 nm
ኣራንሺ600 nm ክሳብ   640 nm
ቀይሕ640 nm 780 nm 


ንሪኦም ነገራት ዝተፈላለየ ሕብሪ ዝውንንሉ ምኽንያት እምበኣር፡ ኩሎም ዝተፈላለየ ሕብሪ ናይ ምንጻግን ምውሓጥን ባህሪ ስለ ዘለዎም እዩ። ንኣብነት ቀያሕ ክዳን ቀያሕ ኮይና ትራአየና ምኽንያት ነቶም ካልኦት ሕብርታት ነጺጋ ነቲ ቀይሕ ሕብሪ እታ ክዳን ስለ ትውሕጦ እዩ።ተመሳሳሊ ድማ ምስ ካልኦት ሕብርታት። ስለዚ ብርሃን እምበርኣር ክፋል ኤለክትሮ-ማግኔታዊ ጩራ( electromagnetic-spectrum) ኮይኑ ጸዓት ከምኡውን ዝተፈላለየ ሕብርታት (ብርሃን) ዘለዎ ማዕበል እዩ ክበሃል ይከኣል። ነገራት ነቲ ዝዓለቦም ብርሃን ይነጽጉ፡ እቲ ንጹግ ብርሃን ድማ ዓይንና ምስ በጸሖ ክንርኢ ንኽእል፡( ከመይ ጌርና ኢና ንርኢ ክትፈልጥ ምስ ትደሊ ነዚ ዝስዕብ ( link) ብምጥዋቅ  ተወሳኺ ሓቤሬታ  ክትረክብ ትኽእል)   እቲ ኣብ ብርሃን ዝርከብ ጸዓት ወይ ሓይሊ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ሂወት ኩሉ ህጹጽ ኣድላይነት እዩ ዘለዎ። ሙቀት ንኹሎም ህያውያን ፍጡራት ከምኡውን ኣትክልቲ ኩሎም ዘድልዮም ( Eng . gluccose) ዝተባህለ ሽኮር ንምፍራይ ይጥቀምሉ። ንሰባት ድማ ተወሳኺ  ብርሃን ጸሓይ፡ እቲ ነዕጽምቲ ኣገዳሲ ቪታሚን (D) ንምፍራይ ክትጠቅሞም ትኽእል ።  

 

I BUILT MY SITE FOR FREE USING